ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ምምራፆም ተቓወምቲ እንታይ ይብሉ


Abraha Desta
Abraha Desta

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ ወንበር ኢህወዴግ ኮይኖም ብምምራፆም ኣቦ ወንበር ዓረና ትግራይ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ሓዊሱ ተቓወምቲ ውድባት ሪኢቶታት ሂቦም ኣለው።

‘’ኢህወዴግ ከም ስርዓት ብዝተበላሸወ መንገዲ ይጉዓዝ ዝነበረ ስርዓት ስለዝኾነ ናይ ሰባት ምቅይያት ከም ዓብዪ ጉዳይ ኣይንሪኦን’’ ዝበለ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ‘’እቲ ውልቀሰብ ነቲ ስርዓት ክሳበ ዘይቀየሮ ለውጢ ክመፅእ እዩ ተስፋ ኣለዎ እዩ ኢልና ኣይንሓስብን’’ይብል።

ተቓወምቲ ውድባት ሰማያዊ ፓርትን ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስን ኮንግረንስ እውን ተመሳሳሊ ሪኢቶታት ሂቦም ኣለው።

ብፍላይ ምኽትል ኣቦ ወንበር ፌደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ ዶ/ር ኣብዪ ኣህመድ ቅድሚ ኩሉ ክፍፅምዎ ዘለዎም ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ዝለዓለሉ መንገዲ ምፍጣርን ሓይልታት ምክልኻል ናብ ካምፕታቶም ክኣትው፣ገበን ዝፈፀሙ ዕጡቓት ድማ ብሕጊ ክሕተቱን ምግባር እዩ ኢሎም።

‘’እዛ ሃገርና ናይኩልትና ሃገር እያ።ናይ ሓደ ሰብ ኣይኮነትን ንዝተወሰን ፓርቲ ዝተውሃበት እውን ኣይኮነትን’’ኢሎም ኣቶ ሙላቱ።

ንዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:15 0:00

XS
SM
MD
LG