ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓወምቲ ፓርትታት ንመደረ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ንኣኼባ ክልቲኡ ባይቶታትን ግብረ መልሲ ይህቡ


ፋይል- ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ
ፋይል- ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ

ናይ ኢትዮጵያ ፕረዚደንት ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ሎሚ ንኣኼባ ክልቲኡ ባይቶታት እታ ሃገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንዝሓለፈ ብዝግባእ ዘይገምገመን ሓድሽ ነገር ዘይብሉን ክብሉ ንክልተ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርቲ ወቂሶም።

ኣብ ኢኮኖሚ ኮነ ሰናይ ምሕደራ ለውጢ ዝመጽእ ለውጢ ስርዓት ምስ ዝመጽእ ጥራይ’ዩ ክብሉ'ውን ተዛሪቦም።

ፕረዚደንት ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ ኣብ መኽፈቲ’ቲ ኣኼባ ምጅማር ዓመታዊ ስራሕ ክልቲኡ ባይቶታት ኢትዮጵያ ዘስምዕዎ ዘረባ ዝምልከት ርእይትኦም ዝተሓቱ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርቲታት መጀመርያ ምኽትል ፕረዚደንት መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት ፓርቲ አቶ ሙሉጌታ አበበ ካብ ልምዲ ክንርእዮም ከለና ዝሓለፈ ነገርን ዝተዛረብናዮ ክሳብ ክንደይ ተተጊብሩ ዝብል ገምጋም ስለዘይነበረን ሓተታትን ተሓታትን ስለዘየለ ካብዚ ዝሓሸ ከቀርብ’ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረናን ኢሎም።

ናይ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ ምክትል ኣቦ መንበር ኣቶ ሙላቱ ገመቹ’ውን ኣብቲ ዘረባ ሓድሽ ነገር ኣይሰማዕናን ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG