ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቃወምቲ ሓይልታት ኮንጎ ንውጽኢት ረፈረንደም ይነጽጉ


71 ዓመት ዝዕድሚኦም ፕሬዝዳንት ሪፕባሊክ ኮንጎ ደኒስ ሳሶው ንጎሶ ንተወሳኺ ስልጣን ክወዳደሩ ዘኽእሎም ሕገመንግስታዊ ረፈረንደም ብዝልዓለ ድምጺ ጸዲቑ።

ብመሰረት እቲ ሎሚ ሰሉስ ዝወጸ ወግዓዊ ውጽኢት ረፈረንደም 92 ሚእታዊ ካብ ኣድመጽቲ እቲ ረፈረንደም ነቶም ፕረዝደንት ደጊፎምዎ ኣለው።

ተቓዋሚ ፓርቲ እታ ሃገር ግን ነቲ ረፈረንደም ኣይተቀበሎን መራሒ ተቓዋሚ ፓስካል ማቢያላ እቲ ረፈረንደም ክድርበ ጸዊዖም ኣለው።

ሓደ ሰብ ንኽልተ ናይ ስልጣን እዋን ጥራሕ ንክወዳደር፣ዕድመ ደረት ተወዳዳራይ ድማ 70 ዓመት ክኸውንን ኣብ ሕገመንግስቲ እታ ሃገር ዝተቐመጡ ገደባት ክልዓሉ እቲ ረፈረንደም ወሲኑ።

XS
SM
MD
LG