ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ኣባል ተቓዋሚ ፓርቲ ኣብ ዝባኑ ላምባ ኣፍሲሱ ንባዕሉ ምቕታሉ ተፈሊጡ


ጌታቸው ኣብርሃም ዝተብሃለ ኣባል ተቓዋሚ ፓርቲን ኣብ ዞባ ሃዲያ መምህር ዝነበረን ብፖለቲካዊ እምነቱ ብዝበፅሖ ምምሕዳራዊ በደልን ኣድልዎን ኣብ ዝባኑ ቤንዚን ኣፍሲሱ ብምቅፃል ንባዕሉ ከምዝቐተለ ናይቲ ፓርቲ ኣቦ መንበር ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ኣፍሊጦም።ኣማሓዳር ወረዳ ሶሮ ግን ብመድረኽ ንዝቐረበ ክሲ ኣይተቐበሉዎን።

ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ትማሊ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል መምህር ጌታቸው ኣብርሃም ንዓርሱ ኣቃፂሉ ዝቐተለ ኣብ ዞባ ሃዲያ ወረዳ ሶሮ ፊት ንፊት ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር እዩ።

መምህር ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሁማሮን ኣባል መድረኽ ዝኾነን መንእሰይ ጌታቸው ኣብርሃም ምስ ዝውውር ብዝተኣሳሰረ ቅሬታ ከምዝነብሮ ዶ/ር በየነ ጴጥሮስ ይገልፁ።

ብኣገልግሎቱ ነቲ መዐቀኒ ከምዘማልእ ብምግላፅ ካብቲ ዝምህረሉ ናብ ዋና ከተማ ወረዳ ሶሮ ጊምቢቹ ንምዝውዋር ዘቕረቦ ሕቶ ብሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብያተ ትምህርቲ ተቐባልነት ስኢኑ ይብሉ።

ናብ ምምሕዳር ወረዳ ጥርዓን ንምቕራብ ስርሑ እናሰርሐ ናብ ከተማ ጊምቢቹ ይመላለስ ስለዝነበረ እቶም ሓለፍቲም ናይ ክልተ ኣዋርሕ ደመወዙ እውን ከምዝኸልከሉዎ ኣቦ ወንበር መድረኽ ይገልፁ።

በደሉ ናብ ምምሕዳር ወረዳ ኣቕሪቡ እቲ ወረዳ ድማ ንጥርዓኑ ውዱቕ ገይሩ ኣብ ልዕሊኡ ዝተሃበ ውሳነ ስለዘፅንዖ መምህር ጌታቸው ኣብርሃ ከምዚ ብጥምየትን ሽግርን ካብ እትቐትሉኒ ንዓርሰይ ከጥፍአ እየ ኢሉ 17 ሚያዚያ 2007 ዓ/ም ኣብ ፊት ንፊት ቤት ፅሕፈት ወረዳ ምምሕዳር ኣብ ዝባኑ ላምባ ኣፍሲሱ ቀቲሉ ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ መምህር ጌታቸው በደል ምፍፃሙ እርግፀኛ ምዃኖም ዝገለፁ ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ እቲ ምኽንያት ድማ ፖለቲካዊ እዩ ይብሉ።

‘’ብምኽንያት ፖለቲካዊ እምነቱ ከምዚ ዝበለ ጭቆናን ምምሕዳራዊ በደልን ኣይበፅሖን ዝብለሉ ምኽንያት የለን’’ ክብሉ ብምግላፅ ኣስዒቦም ‘’ዋላ ሓንቲ ጥርጣረ እውን የብለይን።ምኽንያቱ ፖለቲካዊ መርገፂኡ ካብ ናይ ኢህወዴግ እምነት ዝተፈለየ ስለዝኾነ እዩ’’ኢሎም።

ኣብ ዞባ ሃዲያ ኣማሓዳሪ ወረዳ ሶሮ ኣቶ ኤሊያስ ኤርሰዶ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ሪኢቶ ግን ህይወቱ ዝሰኣነ መምህር ነቲ ወረዳ ዘቕረቦ ጥርዓን ኣይነበረን ኢሎም።

‘’ንዓርሱ ብቤንዚን ኣጥፊኡ ዝተብሃለ ሓቂ እዩ።ኣባል መደረኽ ስለዝኾነ ምምሕዳራዊ በደል በፂሑዎ ዝተብሃለ ግን ንሕና ናይ ፓርቲ ኣባል ይኹን ኣይኹን ንፈልጦ ነገር የብልናን’’ ኢሎም ኣቶ ኤሊያስ።

በደል በፂሑኒ ኢሉ ናብ ቤት ፅሕፈት ቤት ትምህርቲ ይኹን ናብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዘቕረቦ ዋላ ሓደ ጥርዓን ከምዘየለ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።ብኣቦ መንበር መድረኽ ዝቕረበ ኽሲ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ እውን ኢሎም።

ምኽንያት ሞቱ ፖሊስ ምፅራዩ ቀፂሉ’ሎ ዝበሉ ንሶም ኣብ ዝሞቶሉ ቦታ ዝገደፎ ፅሑፍ ምስ ስድርኡን ምስ ደቂ ኣንስትዮን ብዝተኣሳሰረ ቅሬታ ከምዝነበሮ ዝሕብር እዩ ኢሎም።ዝተማልአ ውፅኢት ግን ሙሉእ ምርመራ ምስተገብረ ክፍለጥ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG