ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ዘይሕጋዊ ብረት ብምሓዝ ተኸሲሶም


መስራቲ ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራቲክ ፓርትን ኣባል ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ናይቲ ፓርቲን ዝኾኑ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ዘይሕጋዊ ብረት ብምሓዝ ገበን ከም ዝተኸሰሱ ናይቲ ፓርቲ ኣቦ ወንበር ኣቶ ኣዳነ ታደሰ ገሊፆም።

ጉዳይ ኣቶ ልደቱ ካብ ከተማ ቢሸፍቱ ወፂኡ ሎማዕንቲ ኣብ ከተማ ኣዳማ ተራኢዩ ኣሎ።

ኣቶ ልደቱ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ቢሾፍቱ ቀሪቦም መዝገቦም እንተተዓፀወ እውን ብነፃ ይኹን ብዋሕስ ክፍትሑ ከምዘይክኣሉን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፀኒሖም ካሊእ ክሲ ከምዝተመስረቶም ኣቶ ኣዳነ ገሊፆም።

ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ቅድሚ ኣዋራሕ ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ኣብ ዝነበረ ዘይምርግጋእ ኣተሓባቢሮምን ደጊፎምን ብዝብል ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ብኻሊእ ዜና ገበናት ሽብር ንምቁፅፃርን ንምክልኻልን ብዝወፀ ሕ ሓዱሽ ኣዋጅ ብምጥሓስ ዝተኸሰሱ እኒ ብዓል እስክንድር ነጋ ናይ ዋሕስ መሰሎም ክኽበረሎም ሓቲቶም።ዓቃቢ ሕጊ ተቓዊሙዎ ኣሎ።ቤት ፍርዲ ውሳነ ንምሃብ ቆፀሮ ሂቡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG