ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቦቢ ዋይን ፕሬዝዳንት ሙሰቨኒ ንዝተዓወትሉ ምርጫ ኡጋንዳ ዝምልከት ጥርዓን ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም


Presidential challenger Bobi Wine speaks to the media outside his home, in Magere, near Kampala, Uganda, Jan. 26, 2021.
Presidential challenger Bobi Wine speaks to the media outside his home, in Magere, near Kampala, Uganda, Jan. 26, 2021.

ቦቢ ዋይን ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ናይ ኡጋንዳ መራሒ ተቓዋሚ ሮበርት ኪያጉላኒ ፕሬዝዳንት ዩዌሪ ሙሶቮኒ ዳግም ዝተመረፅሉ ናይ 14 ጥሪ ምርጫ ብምሙጋት ትማሊ ሶኑይ ጥርዓን ኣቕሪቡ።ጠብቓታት ዋይን ቤት ፍርዲ ነቲ ምርጫ ክስዕሮ ጥራሕ ከይኮነስ ንሻድሻይ ግዜ ዝሰዓሩ ሙሶቨኒ ፈፂሞም ዳግም ከይወዳደሩ ከረጋግፅ ድልየት ኣለዎም።

ንመራሒ ተቓዋሚ ቦቢ ዋይን ዝውክሉ ጠበቓታት እቲ ናይ 14 ጥሪ 2021 ኣ\ፈ ምርጫ ዋጋ ከምዘይብሉ ዘርእዩ ሰነዳት ትማሊ ሶኑይ ንጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም ኣለው።

ዋና ጠበቓ መዳርድ ሰጎና ወታደራት ንናይ ምርጫ ጣቢያታት ክወሩን ኣቐዲሙ ድምፂ ዝተውሃበሉ ናይ ምርጫ ካርዲ ናብቲ መውሃቢ ድምፂ ከእትውን ተራእዮም እዮም ይብል።

ፕሬዝዳንት ሙሰቨኒን ደገፍቶምን ምፍርራሕን ምጭብርባርን ንዓሰረተታት ዓመታት ናይ መዕወቲ ሜላታት ገይሮም ክጥቀምሉ ዝፀንሑ እዩ ክብሉ ይከራኸሩ።

እቲ መስርሕ ምርጫ ብምሉኡ ናብ ኩነታት ሽብር ተቐይሩ ዝበሉ ንሶም ‘’ሙሰቨኒ ዝሳተፈሉ ዝኾነ ይኹን ምርጫ ሰላማዊ ምርጫ ከምዘይኸውን ንፈልጥ።እቲ ሕገ መንግስቲ ዝጠልቦ ነፃን ፍትሓውን ምርጫ ክኸውን ኣይኽእል እዩ’’ ኢሉ።

ወግዓዊ ውፅኢት ምርጫከምዝሕብሮ ሙሰቨኒ 58 ሚታዊ ድምፂ ብምርካብ ንሻድሻይ ግዜ ስዒሮም ኣለው።ዋይን 35 ሚታዊ ብምርካብ ካልኣይ።

ሰጎና ናይ ዋይን ሃገራዊ ናይ ሓድነት መድረኽ ፓርቲ ኣብ ሕድ ሕድ ብርኪ መስርሕ ናይቲ ምርጫ ምቕጥቃጥ ደገፍቲን ሰበስልጣን ወፍሪ ምርጫን ዋይን ሓዊሱ ፈተናታት ገጢሙዎ እዩ ኢሎም።

ዋና ፀሓፊ ገዛኢ ፓርቲ ምንቅስቓስ ሃገራዊ መኸተ ጃስቲን ሉማምባ ናይ ሕጊ ሰብሙዮም ናይቲ ፓርቲ ሕፁያት ክንደይ ድምፂ ከምዝረኸቡ ንዝገለፁ ቕጥዕታት ካብ ናይ ምርጫ ጣቢያታት የረጋግፁ ኣለው ኢሎም።

‘’መረጋግፂ ቅጥዕታት ፕሬዝዳንታዊ ውፅኢት ካብ ሃገራዊ ኮሚሽን ምርጫ ረኺብና ኣለና።መልሲ ክህግብ ኢና’’ ኢሎም ሉዋምባ።

ናይ ሙሰቨኒ ውፂት ኣብ ፈተና ክኣቲ እዚ ንራብዓይ ግዜ እዩ።ዋላኳ ብርክት ዝበሉ ጉድለታት እንተነበሩ እውን ነቲ ምርጫ ንምልዋጥ እኹል ብዘይምንባሩ ክልተ ክስታት ብውሳነ ቤትፍርዲ

ተሳዒሮም እዮም።

XS
SM
MD
LG