ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ እኒ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ መከላኸሊ ምስክር ንከቕርቡ ተለዋጢ ቆፀራ ሂቡዎም


ተወሳኺ ሕክምና ንምርካብ ካብቲ ወህኒ ቤት ወፃኢ ንክልኣኹ ሓቲቶም

ሓደ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ እኒ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ ናይ መከላኸሊ ምስክራቶም ንኸቕርቡ ተለዋጢ ቖፀሮ ሂቡዎም።ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ ኣብ ቤት ምእሰርቲ እናሃለው ፈተነ ቕትለት ከምዝተፈፀሞም ጥርዓን ኣስሚዖም።ካልኦት ተኸሰስቲ’ውን ንህይወቶም ከምዝሰግኡ ተዛሪቦም ኣለው።

ዓቃቢ ሕጊ ብገበን ሽብር ዝኸሰሶም እኒ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ ሎማዕንቲ ናይ መከላኸሊ ምስክሮም ንኸቕርቡ ቆፀሮ ተዋሂቡዎም እንተነበረ’ውን ከቕርቡ ኣይክኣሉን።ምኽንያት ቅድም ክብል ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ብይን ቅዳሕ ስለዘይበፅሖም ምዃኑ ኣረዲኦም።ቤት ፍርዲ ብወገኑ ናይቲ ብይን ቅዳሕ ዘይምርካብ ናይ መከላኸሊ ምስክር ንዘይምቕራብ ምኽንያት ክኸውን ኣይኽኣለን ምስበለ ናይቶም ተኸሰስቲ መሰል ንዘይምፅባብ ግን ካሊእ ተለዋጢ ቖፀሮ ሂቡዎም ኣሎ።

በዚ መሰረት ተኸሰስቲ ናይ መከላኸሊ ምስክሮም ን6ን 7ን መጋቢት 2004 ዓ/ም ንከቕርቡ እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ ነቲ ቤት ፍርዲ ከምዝገለፅዎ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ማሰርቲ እናሃለው ናይ ቕትለት ፈተነ ከምዝተፈፀሞም፡ ንዝቐረቡዎም ኽስታት ንምክልኻል ዘዳለውዎም ሰነዳት እውን እቲ ፈተነ ብዝፈፀመ ሰብ ከምዝተመንጠሉን ጥርዓን ኣቕሪቦም።

ዝበፅሖም ናይ ኣካል ጉድኣት ንምሕካም ኣብ ውሽጢ እቲ ወህኒ ቤት ዝተውሃቦም ሕክምና እኹል ብዘይምዃኑ ሕዚ’ውን ሚዛኖም ንምሕላው ከምዝፅገሙ ብምግላፅ ተወሳኺ ሕክምና ንምርካብ ካብቲ ወህኒ ቤት ወፃኢ ንክልኣኹ ሓቲቶም።

እቲ ቤት ፍርዲ’ውን ተፈፂሙ ብዛዕባ ዝተብሃለ ፈተነ ቕትለት ናይታ ሃገር ሕጊ ብዝእዝዞ መሰረት ኽሲ ምቕራብ ከምዝኽእሉ ብምሕባር እቶም ካልኦት ጥርዓናት ብዝምልከት ግን ምምሓድር እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝቕፅል ቆፀራ ቐሪቡ ንኸረድእ ትእዛዝ ሂቡ’ሎ።

ኣቶ ናትናኤል መኮነንን ኣቶ ክንፈ ሚካኤል በረደድን እውን ንቤት ፍርዲ ኣብዘስምዕዎ ጥርዓን ኣብ ልዕሊ ኣቶ ኣንዱኣለም ኣራጌ መውቃዕቲ ፈፂሙ ዝተብሃለ ሰብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሶም ናብዝርከብሉ መእሰሪ ኽፍሊ ስለዝመፀ ንህይወቶም ስለዝሰግኡ እቲ ሓደ ነቲ ኻሊ ንምሕላው በቢ ተራ ከምዝድቅሱ ብምሕባር ደሕንነቶም ዝሕለወሉ ኩነታት ንኽመቻቸወሎም ሓቲቶም።

ኣብቲ ናይ ሎማዕንቲ መጋባእያ ካብዝተረኸቡ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኣምባሳደር ዶናልድ ቡስ ይርከቡዎም።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG