ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተሓዋወሰ ሪኢቶ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንፀብፃብ ኣምነስቲ


Oromia and Amhara regions of Ethiopia
Oromia and Amhara regions of Ethiopia

ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት Amnesty International/ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ተፈፂሞም ዝበሎም መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዘውፅኦ መግለፂ ናይ ሓደ ወገን ፖለቲካዊ ድልየት ዘርኢ እዩ ክብል ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ \ኣብን\ ቅሬትኡ ገሊፁ።ክልተ ተቃወምቲ ውድባት ኦሮሞ ድማ ነቲ ሪፓርት ስፍሓትን ዕምቆትን ዝወሓዶቱ እዩ ኢሎምዎ።ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ\ኢዜማ\ ብወገኑ እቲ ፀብፃብ ተወሳኺ ምርመራ ንምክያድ ካብ እኹል ንላዕሊ ሓባሪ እዩ ኢሉዎ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንሓደ ዓመት ዘካየድኩዎ መፅናዕቲ እዩ ኣብ ዝበሎ ፀብፃብ ናይ ቅማንት መንነት ንምምላስ ብዝተጣየሸ ኮምቴ ዝተልዓለ ሕቶ ካብ መስከረም 2011 ክሳብ 2012 ዓ\ም ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ መንጎ ኣምሓራን ብሄረሰብ ቅማንትን ግጭት ክልዓም ምኽኒያት ኮይኑ ይብል።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ምዕራብን ማእኸላይን ጎንደር፣ቋራ፣ኣብ መተማን ጭልጋን ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ቅማንት መጥቓዕቲ ተፈፂሙ ኣብ ውሽጢ 24 ስዓታት 58 ሰባት ኣብ ከባቢ ኣዘዞ ድማ 43 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብዝርዝር ሓቢሩ ኣሎ።እቲ ግጭት ናይ ኣካል ጉድኣት ኣውሪዱን ካብ ክልቲኡ ወገን ብኣሽሓት ክመዛበሉን ምኽኒያት ኮይኑ ይብል።

ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብገለልተኛ ስለዘይተሰርሐ ኣይንቕበሎን ኢሉ።ተቋዋሚ ውድብ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ \ኣብን\ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ዝፍፀም መግሃስቲ ናብ ኣደባባይ ከይወፅእን ክዕፈንን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዓለምለኸ ትካል ዝሰርሑ ሰባት ብድሕሪት ኮይኖም ብዝኣልምዎ ውዲት ኮነ ተባሂሉ በደል ይፍፀሞ እዩ ኢሉ።

ናይ ኣምነስቲ ፀብፃብ እውን ኣብ ትሕቲ ተፅዕኖ ዝወደቐን ናብ ሓደ ዝወገነን እዩ ክብል ቅሬትኡ ገሊፁ።

ምኽትል ኣቦወንበር ኣብን ኣቶ ዩሱፍ ኢብራሂም ቀንዲ ምኽኒያት ናይ ዝተፈጥረ ግጭት ናይ ፖለቲካ ውድብ እዩ ክብል ይኸስ።

‘’ናይቲ ሪፖርት ድምፀት ንርእሱ ጌጋ እዩ።ጌጋ ዝኾነሉ ምኽኒያት ድማ ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ብምዃኑ እዩ።ቀንዲ ናይቲ ፀገም ናይ ህውሓት ሓይሊ እዩ።ናይ ቅማን ኮሚቴ ዝብሃል ወዲቡ ናይ ሽብራ ስራሕ እዩ ሰሪሑ።መብዛሕቲኡ ገበን ዝተሰርሐ በዚ ዕጡቕ ጉጅለ እዩ።ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣምሓሩ ተመዛቢሎም።ኣብ ልዕሊ ኣምሓራ ዝወረደ ጉድኣት ዋላ ሓንቲ ንምጥቃስ ኣይደለየን’’ እዮም ዝበሉ።

ኣቶ ዩሱፍ ፀብፃብ ኣምነኣስቲ ንምቕባል ዝፅገምሉ ኣብ ክልተ ወገናት ጉድኣት ወሪዱ እናሃለወ ነቲ ሓደ ወገን ዕሽሽ ብምባል ናይ ህውሓት ድልየት ዘንፀባርቕ ፀብፃብ ኣውፂኡ ኣሎ ኢሎም።

ብኻሊእ ወገን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝርከብ ናይ ኣምሓራ ሕብረት ዝተብሃለ ውዳበ ኣምነስቲ ሚዛናዊነት ብዝጎደሎ ኣዛቢዑ ዘውፅኦ ንዝበሎ ሪፖርት ክእርም ዝሓተት መግለፂ ኣውፂኡ።ናይዚ ትካል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ተመስገን ሽፈራው ናይ ኣምሓራን ናይ ቅማንትን ግጭት ኣምሲሉ ምቕራቡ ትኽክለኛ ምስሊ ኣየርእን እቲ ፀገም ኣብ ምፍጣር፣ምግዳድን ክፍታሕ ብዘይምግባርን ተሓተቲ ክኾኑ ዝግብኦም ህውሓት፣ናይ ቅማንት ኮሚቴ፣ሎሚ ኣካል ብልፅግና ኮይኑ ዘሎ ብኣዴንን ንናይ ፌደራል መንግስትን ሽፋን ዝሃበ እዩ ኢሎም።

ሕቶ መንነት ቅማንት ንምምላስ ብዝተጣየሸ ኮሚቴን ህውሓት ዝወደቦምን ብገንዘብ ዝሓገዞም ዕጡቓት ዝተፈፀመ እዩ ክብል ናይቲ ክልል መንግስቲ ይኸስስ። ኣብዚ ጉዳይ ሽሙ ብተደጋጋሚ ናይ ዝልዓል ህውሓት ፈፃሚ ስራሕ ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ እዋንኣብ ዝሃብዎ መልሲ ናይቲ ክልል ኣካላት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን መጥቓዕቲ ድሕሪ ምፍፃሞም ዝፈጠሩዎ ዛንታ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም ነይሮም።

ኣምነስቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ምዕራብን ምብራቕን ጉጂ ብሓይልታት ፀጥታ ዝተፈፀመ ኣብ ዝበሎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት 39 ሰባት ከምዝተቐትሉ ገሊፁ።ጃምላዊ ማእሰርቲ፣ተግባር መስቀይቲ፣ፆታዊ መጥቓዕ ተፈፂሙ ክብል ከሲሱ ኣሎ።

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝፅውዖምን ንባዕሎም ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ኢሎም ብዝፅውዑን ዕጡቓት ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ዝልዓለ ስቓይ ይወርዶም ስለዘሎ መንግስቲ ሕጊ ኣምብኽባር እዩ ዝርከብ ኢሉ።

ኣቦ ወንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ \ኦነግ] ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ‘’ቅድሚ ኩሉ ኣብዚ ኣፀጋሚ ኩነታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣምነስቲ ነዚ ሪፖርት ምውፅኡ ብወገና ኣድናቖትና

ንገልፅ’’ድሕሪምባል ‘’ይኹን እምበር ዕምቆት የብሉን፤ላዕሊ ላዕሊ እዩ ኣውፂኡዎ ዘሎ።ምኽኒያቱ ኣብ ኦሮሚያ ኣዚዩ ዝኸፍአ ኩነታት እዩ ዘሎ።ግጭት ዘለዎ ከባቢ ጥራሕ ከይኮነስ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ግጭት ኣብ ዘይብሉ እውን ማእሰርቲ፣ቅትለት፣መውቃዕቲ፣ምምዛብል፣ንደቂ ኣንስትዮ ብሓይሊ ምዕማፅ ወዘተ እቲ ሪፖርት ኣይሓወሰን ስለዝኾነ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነቲ ስእሊ ኣየርእን’’ ኢሎም።

መንግስቲ ኣብ ውግእ ስለዘለኹ ብዝብል ንዘይተዓጥቑ ሰባት ብምቕታል ናይዚ ምኽኒያት ዕጡቓት እዮም ክብል ኣይክእልን ዝበሉ ኣቶ ዳውድ ብዛዕባ ባዕሉ ዝፈፀሞም መግሃስቲ ክሕተት ከሎ ንሳቶም እዮም ፈፂሞም ዝብል ካብ መንግስቲ ትፅቢት ዝግበር ኣይኮነ ኢሎም።

ናይዚ ኹሉ ፀገም ምንጪ መንግስቲ እዩ፤ካብ ደርጊ ጀሚሩ ኣካልት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ዝፍፅምዎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ግቡእ መአረምታ ስለዘይውሰድ ክሳብ ሎሚ ቀፂሉ ኣሎ እውን ኢሎም ኣቶ ዳው ኢብሳ።

ኣቦ ወንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ\ር መረራ ጉዲና ካብ ስፍሓት እቲ ክልል ክርአ ከሎ እቲ ሪፖርት ውሑድ እዩ ኢሎም።‘’ኢትዮጵያ ሰፋሕ ብምዃኑ ክሰፍሕ ነይሩዎ ዝብል እዩ ናትና እምነት።ካብ ዝሓለፈ ናይ ፈረንጂ ዓመት ናይዚ ዓመት ዝበኣሰ ኮይኑ ኣሎ።ገሊኦም ኣዚዮም ዘስካሕክሑ ስጉምትታት ይወሰዱ ዘለው ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ እዩ።ንኣብነት ንሰብ ቀቲልካ ምድርባይ ዝኣመሰሉ እናወሰኸ ይኸይድ ስለዘሎ እቲ ሪፖርት ከም ፅቡቕ ኢና ወሲድናዮ’’ ኢሎም ዶ\ር መራራ።

ሓቀኛን ትኽክለኛን መረዳእታ ንምርካብ እንተድኣ ተደልዩ ገለልተኛ ዝኾነ ኣካል ተጣይሹ ክምርምሮ ምጋብር ይክኣል እዩ ኢሎም ዶክተር መረራ ጉዲና ብምውሳኽ።

ብኻሊእ ወገን ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ\ኢዜማ\ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ብዝኾነ ይኹን፣ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንድርድር ክቐርብ የብሉን ኢሉ።እቲ ፀብፃብ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምርዳእ እኹል ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ እንተዘይተብሃለኳ ነቲ መግሃስቲ ፈፂሞም ዝተብሃሉ ኣካላትን ቦታን ዝተጠቕሰ ብምዃኑ ተወሳኺ ምርመራ ንምክያድን ስጉምቲ ንምውሳድን ካብ እኹል ንላዕሊ ሓባሪ እዩ ኢሉ።ኣብ ክልተ ዝተወሰኑ ቦታታትን ውሱን ክስተታትን ዘተኮረ ብምዃኑ ተፈፂሞም ዝተብሃሉን ካልኦት ኣብታ ሃገር ዝፍፀሙ መግሃስትታትን ምሉእ ብምሉእ ንምርዳእ ይኹን ናይ መአረምታ ስጉምቲ ንምውሳድ እኹል ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ ዋላ እንተ ዘይተብሃለ እቲ ሪፓርት ኣብ ውሽጡ ዝሓዞም ዝለዓለ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ሽም ግዳያት ሰባት፣ዝተፈፀመሉ ቦታን ነቲ መግሃስቲ ፈፂሞምዎ ተባሂሎም ዝተጠቐሱን ኣካላት ብግልፂ ስለዝተቐመጡ ናይቲ ሓበሬታ ትኽክለኛነት ንምፅራይ ቀሊል ካብ ምግባር ሓሊፉ ተወሳኺ ምርመራ ብምክያድ ዝተጠቐሱ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት እንተድኣ ተረጋጊፆም ናይ መአረምታ ስጉምቲ ንምውሳድ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ሓበርቲ እዮም ኢሉ ኣሎ ኢዜማ ኣብ መግለፂኡ።

ኣብቲ ናይ ኣምንሰቲ ፀብፃብ ዘይተሓወሱ በብእዋኑ ንምጥፋእ ህይወት፣ምጉዳል ኣካል፣ምምዝባል ሰባት፣ናይ ተምሃሮ መጭወይቲ ፣ማእሰርቲን ምንክልባትን ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ሓዊሱ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዕላዊ ዝተገብሩ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ስለዘለው ናይ ለውጢ ምምሕዳር ናብ ስልጣን ካብዝድይብ ጀሚሩ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስታት ፌደራልን ክልላትን ከምኡ እውን ብዕጡቓትን በቢከባቢኡ ብዝተወደቡ ዘይ ስሩዓት ጉጅለታትን ዝፍፀሙ መግሃስቲ ዝምርምር ፍሉይ ጉጅለ ብቕልጡፍ ክጣየሽ፣ክምርምርን ውፅኢቱ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፣ንናይ ክልላት ኣብያተ ምኽርን ንህዝብን ዕላዊ ክኸውን ንሓትት ይብል እቲ መግለፂ።

XS
SM
MD
LG