ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከንፈርን ታሕናግን ዝተፈጥረ ሃህታ ንምዕራይ ዝዋሃብ ናጻ መጥባሕቲ


መጥባሕቲ ዝፅበ ህፃን
መጥባሕቲ ዝፅበ ህፃን
ኦፕሬሽን ስማይል ዝተባሃለ ኣብ ኣሜሪካ ዝተጣየሸ ገባሪሰናይ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከንፈሮምን ታሕናጎምን ሃህታ ዘለዎም ቆልዑ ብመጥባሕቲ ይሕክም ‘ሎ፡፡

ኦፕሬሽን ስማይል ኢትዮጵያ ብ2006 ኣብታ ሃገር ዕላዊ ስርሑ ካብ ዝጅምር ዛጊድ ን1400 ህጻውንቲ ናጻ ሕክምና ምሃቡ ሓላፊት መደባት እቲ ትካል ወይዘሪት ሩት ኣማኑኤል ገሊፀን፡፡
“ሕክምና ብናጻ እዩ ዝዋሃብ ከምኡ’ውን ቀለብ፣መዕረፍን መጓዓዝያን ታሓከምቲ እቲ ትካል እዩ ዝኽእሎ” ይብላ ሩት ኣማኑኤል፡፡

ኣብ ከንፈርን ታሕናግን ዝፍጠር ሃህታ ጠንቅታቱ ብዙሕ እዩ ይብሉ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኮሌጅ ጥዕናዊ ሳይንስ ላዕለዋይ ሓኪም ሕማም ካብ ክሳድ ንዓቐብ ይልቃል ዘመነ፡፡
እቲ ኩነት ኣብ እዋን ጥንሲ ብሰንኪ ዝውሰድ ኣፋውስን ኣልኮላዊ መስተን ከምኡ እውን ብዘርኢ ይማሓለፍ፤ ብቐሊሉ ድማ ብመጥባሕቲ ይዕረ ብመሰረት ሞያዊ ትንታነ ሓኪም ይልቃል ዘመነ፡፡

ለማቕን እቲ ትካል ካብ 11 ሃገራት ዘምፀኦም ናጻ ሕክምናዊ ግልጋሎት ዝህቡ ሰብ ሞያ ኣብ መቐለ ዓይደር ሆስፒታል ን180 ሰባት መርሚሮምን ሓኪሞምን፡፡

ካብ ኣሜሪካ ክልል ሎሳንጀለስ ካሊፎርኒያ ዝመፁ ላዕለዋይ ሓኪም መጥባሕቲ Andy Wexler ናበየናይ ዓዲ ከይድና ናጻ ግልጋሎት ክንህብ ከምዘለና ዝውስን እቲ ኣብታ ዓዲ ዘሎ ጥጡሕ ባይታ እዩ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ድጋፍ ደቂ ዓዲ ሰብ ሞያን ግልጋሎት ጥዕናን ንስራሕ ዝዕድም እዩ ህዝቢ እውን ብጽቡቕ ገጽ እዩ ዝቕበለና ብምባል ናእደኦም ገሊጾም፡፡

ኦፕሬሽን ስማይል ብ1982 ዓም ኣብ ኣሜሪካ ተጣይሹ ኣብ ፊሊምፒንስ ፈላሚ ግልጋሎት ሂቡ፡፡ ዛጊድ ንሓደ ሚኢቲ ሽሕ ሰባት ናጻ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ምሃቡ ካብቲ ትካል ዝተረኸበ መረዳእታ ይነግር፡፡

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:48 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG