ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦህዴው  ዘቕረቦ መግለጺ አወንታዊ ግን ጥርጣረ ዝረአ እዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ፓርትታት ገሊጾም


ኣባል ኢህወዴግ ዝኾነ ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ዴሞክራሲያዊ ውድብ/ኦህዴው/ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ንዝርከቡ ተቓወምቲ ዘቕረቦ ፃውዕቲ ኣወንታዊ፣ግን ክኣ ብጥርጣረ ዝርአ እዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ውድባት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ኦህዴው ኣብ ቀረባ ዘካየዶ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ስዒቡ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ናይ ብዙሓት ቐልቢ ስሒቡ’ሎ። ንዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕብረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቕረቦ ፃውዒት ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከቡ ተቓወምቲ ፓርትታት ሓቢሩ ንምስራሕ ድልየት ኣለዎ ይብል።

ምኽትል ኣቦ መንበር ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ እቲ መግለፂ ክትግበር ድዩ ኣይኮነን ብፍሉይ ጥርጣረ ከምዝሪኡዎን ግን ክኣ ከምዝቕበሉዎም ሓቢሮም።

ኣቦ ወንበር ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ የሺዋስ ኣሰፋ ኦህዴው ንበይኑ ዝሃቦ መግለፂ ንህዝቢ ዝጠቅምን ተስፋ ዝህብን ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና ኢሎም።

ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝርከብ ተቓዋሚ ፓርቲ ናይ ኦሮሞ ግንባር ዴሞክራሲያዊ ውድብ ብዝለዓለ ኣድናቖትን ጥንቃቐን ከምዝቕበሎ ሓቢሩ’ሎ።ምኽትል ኣቦ መንበር መኢኣድ ኣቶ ሙልጌታ ኣበበ ብወገኖም ግብራዊ ይኹን ኣይኹን ንተቓውምቲ ውድባት ፃውዒት ምቕራቡ ፅቡቕ ተበግሶ እዩ ኢሎም።

ኦህዴው ነዊሕ መንገዲ ተጓዒዙ’ሎ ዝበሉ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢን ምኽትል ኣቦ መንበርን ፕሮፌሰር በየን ጴጥሮስ ብወገኖም እቲ መግለፂ ኢህዴው ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝሃቦም መግለፅታት፣ትርጉም ዘለዎን ሰናይ ተበግሶን እዩ፤ግን ኸኣ ኣብ ግብሪ ክውዕል ድዩ ዝብል ብጥርጣረ ንሪኦ እዩ ኢሎም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG