ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ-መንበርን ምኽትል ኣቦ-መንበርን ኣባል ኢህወደግ ዝኾነ ኦህዴድ-ካብ ሓላፍነቶም ተአልዮም


ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ አቶ ሙኽታር ኸድር (ጸጋም) ን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ወ/ሮ አስቴር ማሞ(የማን)
ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ አቶ ሙኽታር ኸድር (ጸጋም) ን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ወ/ሮ አስቴር ማሞ(የማን)

ኣብ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ መንግስቲ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ወ/ሮ አስቴር ማሞን ፕረዚደንት ክልል ኦሮምያ አቶ ሙኽታር ኸድር ካብ ሓላፍነቶም ተአልዮም።

ብመሰረት ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ አካይዳ ኢህአዲግ ካብ ፈደራል መንግስቲ ክልልን ካብ ስልጣኖም ክእለዩ ክግበር ይኽእል’ዩ።

እቲ ውድብ ንመሓውራት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝለኣኾ ሓፂር መግለፂ ግን ኣቦ መንበር ኣቶ ሙኽታርን ምኽትል ኣቦ መንበር ወ/ሮ ኣስቴርን ብናይ ገዛእ ርእሶም ፍቓድ ካብ ሓላፍነቶም ምውራዶም ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ክንድኦም ኣቶ ለማ መገርሳ ኣቦ መንበር ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ድማ ምኽትል ኣቦ መንበር ኮይኖም ተመሪፆም ኣለው።

እቶም ካብ ስልጣኖም ዝተአለዩ ሰባት ብቀደሙ’ውን ብህዝቢ ኣይተመርጹን ፡ ድልየትና ናይ ውልቂሰባት ምቅይያር ኣይኾነን ክብሉ ተቃወምቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ አፍሊጦም’ለው።

ኢህወዲግ ስልጣን ካብ ዝሕዝሉ ንነጀው ናይቲ ግንባር አባል ዝኾነ ውድብ ክልቲኦም አቦ-መንበራቱ ኣብ ሓደ እዋን ስልጣን ኣብ ሓደ ጊዜ አሰናቢቱ ኣይፈልጥን። እዚ ግን ኣብ ኦህዴው ዲሞክራሲያዊ ህዝቢ ኦሮሞ ተተጊብሪ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ክልተ ካብ ሓለፍቲ ኦህዴድ ካብ ሓላፍነቶም ተአልዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:50 0:00

XS
SM
MD
LG