ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልዕሊ 120 ኣመራርሓ ኦህዲው/ኢህኣዴግ ተኣሲሮም


ናብ ፍርዲ ክቀርቡ'ዮም

ኣብ ኢትዮዽያ ልዕሊ120 ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣባል ኢህወዴግ ዝኾነ ዴሞክራስያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ (ኦህዴው) ካብ‘ቲ ውድብ ተባሪሮም ከምዝተኣሰሩ ተሓቢሩ።ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ብወገኖም፣ብብልሽውና ዝተለኸፉ መንግስታዊ ሰበ-ስልጣን ናብ ፍርዲ ክቀርቡ‘ዮም ኢሎም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣መርየት ህዝቢ ጉቦ ተቀቢሎም ንሰብ-ሃብቲን ንውልቀ-ሰባትን ዝዕድሉ መንግስታዊ ሰበ-ስልጣን ከምዝበዝሑ ኣፀቢቅና ንፈልጥ ኢና ይበሉ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቅ።

መርየት ዝሰረቁን ዘስረቁን ከምዘለው ንፈልጥ ኢና።ቀንዲ ሓደጋ፣እቲ ዝሰረቀ ዘይኮነስ እቲ ዘስረቀ‘ዩ።ስለዚ መርየት ሰሪቆም‘ዮም ካብ ሞንጎ ዝተባሃሉ ሰብ-ሃብቲ፣ገሊኦም ተፃርዩ ናብ ፍርዲ ክቀርቡ‘ዮም።እቶም ዝበዝሑ ግና ጌገኦም ስለዝኣመኑ፣ሕይል ዝበለ ገንዘባዊ መቅፃዕቲ ረኺቦም ናብ ስርሖም ክምለሱ‘ዮም።እቶም ስርቂ ንክፍፀም ዘሐገዙ መንግስታዊ ሰበ-ስልጣን ግና ብሙልኦም ናብ ፍርዲ ክቀርቡ‘ዮም።መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ፣ኣብ ብልሽውና ዝተኣለኸ ሰብ፣ምግሳፅ ምእራም ዝብልዎ ነገር ኣይሰርሕን ይብሉ ኣቶ መለስ።

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፣ኣብ ዘረበኦም፣ኣብ እዋን ዝሓለፈ ወፍሪ ምርጫ ብልሽውና ሓደ ካብ ድኽመታት ኢህወዴግ‘ዩ ዝብል ሓበሬታ ካብ ህዝቢ ከምዝቀረበ ኣዘኻኺሮም‘ለው።

መንነቱ ንክዕቀበሉ ዝሓተተ ነባራይ ናዝሬት ብወገኑ፣ነቲ ፃዕሪ ይንእድ።ግን እዚ ስጉምቲ‘ዚ ቅድሚ ኣርባዕተ - ሓሙሽተ ዓመታት ተወሲዱ እንተዝኸውን ነይሩ፣ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወረደ ግፍዕን ስቃይን ምነከየ ነይሩ።ኣራሚ ስጉምቲ ምውሳድ ኣገዳሲ እንተኾይኑ፣ኣከታቲልካ ምውሳድ እዩ‘ምበር እቲ ፀገም ምስ ሓለፈ ሰብ ምስተጎድአ፣ንኣብነት ከም ናተይ ስድራ ዝተጎድአ ስድራ የለን።መንበሪኦም ኣፍሪሶም፣ካልእ ቦታ ስለተይተዋሃቡ መንበሪ ስኢኖም፣ኣዶ ንደቃ በቲና ክትነብር ዝተገደደሉ ኩነታት‘ዩ ዘሎ።እቲ ኩሉ ኣቦ ኦሮምያ ዝተፈፀመ ገበን ድማ ካብ እዝኒን ዓይኒን መንግስታዊ ሰበ-ስልጣን ዝተሰወረ ኣይነበረን።ክሳብ ሎሚ ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ናይ ብሓቂ ዘጉሂ‘ዩ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG