ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዲሞክራስያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ ዶ/ር አቢይ አሕመድ አቦ መንበር ጌሩ ሸይሙ


ዲሞክራስያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ(ኦህዴው) ኣብ መሪሕነቱ ምቕይያር ጌሩ’ሎ።ዕላማ እቲ ለውጢ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ተራ መሪሕነት ንምጽዋት ምኳኑ እቲ ውድብ ገሊጹ’ሎ። ንመዝነት ቀዳማይ ሚንስትርነት ዝዓለመ’ዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣይተሳእኑን።

አባል ኢህወዲግ ዝኾነ ኦህዴው ህጹጽ ጉባኤ ማኸላይ ኮሚቴ ብምክያድ ንምኽትል ኣቦ መንበሩ ንዝነበረ አቶ ኣቢይ አሕመድ ኣቦ መንበር ብምግባር አቦ መንበር ዝነበረ አቶ ለማ መገርሳ ምኽትል ጌሩ ምሻሙ ኣፍሊጡ።

አቶ ለማ መገርሳ ፕረዚደንት እቲ ክልል ኮይኖም ከምዝቅጽል ንድምጺ ኣሜሪካ ቃሎም ዝሃቡ አባል ማእከላይ ኮሚቴ ኦህዴው አቶ ካሳሁን ጉፌ ገሊጾም።

ንሶም ኦህዴው ዓበይቲ ሕቶታት ህዝቢ ዝመለሰ ውድብ’ኳ እንተኮነ ሕጂ’ውን ዘይተመለሱ ሕቶታት ህዝቢ ከምዘለው ብምግንዛብ ብደረጃ ሃገር ዘለዎ ሓላፍነት ንምፍጻም ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣብሪሆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG