ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ብውድቦም ኣፍልጦን ህያብን ተለጊስዎም


ኣባል ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ውድብ ዴሞክራሲያዊ ህዝቢታት ኦሮሞ (ኦህዴው) ንኣባሉን ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝነበሩን ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ኣፍልጦን ህያብን ከምዝለገሰሎም ተፈሊጡ።

ምስ ቪኦኤ ቃለ ምልልስ ዝነበሮም ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ እቲ ህያብን ኣፍልጦን ብሓላፍቲ’ቲ ፓርቲ ከምዝተገለጸሎም ሓቢሮም።

‘ውሳነ ኦህዴው ዝደንጎየ’ውን እንተኾነ፣ ምኽንያቱም ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት’የ ነቲ ውድብ ስለዘገልገልኩ፣ መሰለይ ንከረጋግጸለይ ኣይተቃለሰለይን። ዝገበረለይ ነገር ኣይነበረን። እዚ ሓዱሽ ኣመራርሓ ግና፣ ንሃገርን ኦህዴውን ዘገልገለ ሰብ፣ ስቕ ኢልካ ምርኣይ ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሉ ወሲኑ ብፈጻሚ ስራሕ ኣቢሉ’ዩ ተገሊጹለይ። ስለዚ ነዚ ምግባሮም ኣመስጊነ ኣለኹ’ ኢሎም።

እቲ ንዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ዝግበረሎም ሓገዝ፣ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ሕክምናዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ዘኽእል፣ መኪና ከምትዕደገሎም፣ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዝግበረሎምን ዝተወሰነ ገንዘብ ከምዝተቐበሉን ጠቂሶም።

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ካብ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝረኸብዎ ረብሓ ከምዘየለን እቲ ዝጀመርዎ ሙግት መዕለቢ ከምዘይረኸበን ክሳብ ፍታሕ ዝረኽቡ ክቃለስ’የ ከምዝበሉ እቲ ዜና ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG