ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፔትሮናስ ኩባንያ ነዳዲ ናይ ኦጋደን ስርሑ ጠጠው ኣቢሉ ካብ ኢትዮጵያ ይወጽእ ኣሎ


South West Energy ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ኩባንያ ነቲ ንብረት ተረኪቡ ስርሑ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ`ሎ።ኣብ`ቲ ኸባቢ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ግና ዳህሳስ ነዳዲ ከይካየድ የጠንቅቕ ኣሎ

ኣብ ከባቢ ኦጋደን፡ ነዳዲ ናይ ምውጻእ ስራሕ ኣጸጋሚ ኣብ ዝኾነ ናይ ክሊማ ኩነታትን ጸገማት ጸጥታ ኣብ ዝሃለወሉ ኩነታትን`ዩ ዝካየድ ። ቅድሚ 5ተ ዓመት ቻይናውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ስርሖም ኸለዉ ግንባር ሓርነት ኦጋደን ብጽፈጸሞ መጥቃዕቲ 9ተ ቻይናውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 70 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይዝከር። ኦብነግ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ South West Energy ናይ ሕወሓት ናይ ንግዲ ትካል`ዩ፡ ሃብቲ ህዝቢ ኦጋደን ክምንጥሉ ዝጽዕሩ ሓይልታት ኩሎም ኣብ ከባቢና ዳህሳስ ክገብሩ ንቃወም ኢሉ ኔሩ.

ብዛዕባ`ቲ ተቓውሞ ዝተሓተቱ ኣብ ኦብነግ ሓላፊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሓሰን ዓብዱላሂ ” ብዛዕባ ምውጻእ ነዳዲ ንህዝቢ`ቲ ኸባቢ ዝቐረበሉ ሕቶ ወይ ዝተዋህቦ መሰል የለን፡ እግዚሔር ንዝሃቦ ጸጋ ስቕ ኢልካ ናብ ትግራይ ንምግዓዝ ዝግበር ጻዕሪ`ዩ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG