ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክሊ ሶማሌ ክልተ ዜጋታት ሽወደን ጋዜጠኛታት ብሓይልታት ፀጥታ ተታሒዞም


ኣብ ኢትዮጵያ ክሊ ሶማሌ ክልተ ዜጋታት ሽወደን ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዊዒሎም።

ብናይ ሶማል ፑንትላንድ አቢሎም ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዘቅንዑ ጋዘጠኛታት ፎቶግራፍ ብዓጃብነት ዕጡቃት ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ተሰንዮም ዶብ ክሰግሩ ክብሉ ብሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ተታሒዞም።

23 ሰነ ኢትዮጵያን ፑንትላንድን ብዘዳውብ ዶብ ብጋልቃዮ አቢሎም ክልቲኦም ሽወደናውያን ጋዜጠኛታት ብዕጡቃት ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን ክልኦት ሓገዝቶምን ተሰኒዮም ክጋዓዙ ኸለው ሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ብዝበፅሖም ሓበሬታ መሰረት'ዮም ተኸታቲሎምም።

"ሽዑ ተኹሲ ተኸፊቱ በቲ ተኹሲ 15 አሸበርቲ ተቀቲሎም 6 ተማሪኾም ብተወሳኺ እቶም ሽወደናውያን ተታሒዞም " ክብሉ አቶ በረኸት ስምኦን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ን'ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆምሉ።

ብፑንትላንድ አቢሉ ነቶም ጋዜጠኛታት ንምሕላፍ ዓጀብቲን መራሕቲን ከም ዝለአኸ ዝገለፀ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ምስቶም ጋዜጠኛታት ዝነበሮ ርክብ ካብ 24 ሰነ ከም ዝተቃረፀን ሓይልታት ኢትዮጵያ ነቶም ሓገዝቶም ቀቲሉ ነቶም ሽወደናውያን አሲሩ ክብል ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ አፍሉጡ።

XS
SM
MD
LG