ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ዕጡቓት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ካብ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚንስተር ግብራውነት ንጽበ ይብሉ


ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብሰላም ንምፍታሕ ልዝብ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ክገልጽ ከሎ፡ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ብወገኑ፡ ኢህወደግን ናይ ሓይሊ ባህርያቱ ገዲፉ ንሰላምን ናጽነት ህዝብን ክብገስ ኣለዎ ይብል።

ኣቦ-መንበር ኦነግ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ኢና ዘለና ይብል. “ ን27 ዓመታት፡ እዚ መንግስቲ`ዚ ንሕጻናት ከይተረፈ ህይወት ሰለማውያን ሰባት በብመዓልቱ ዘጥፍእ ዘሎ ስርዓት`ዩ። እዚ ህዝቢ ዓለም ዝዕዘቦ ዘሎ ጉዳይ`ዩ።” ካብ`ዚ ንምውጻእ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ሳልሳይ ኣካል ኣብ ዝተረኸበሉ፡ ብዘይ-ቅድመ ኹነት ንምልዛብ ዳግም ንጽውዕ ይብል።

ሓዲሽ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ መደርኡ፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣየልዓለን እቲ ዘጋጠመ ኩነታት`ኳ ብግልጺ ኣይጠቐሶን ዝብል ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ብወገኑ፡ ምስ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ሰብ ጸገም ይብልናን ግን ኣብ ፖሊሲ፡ ብተግባሩ ኢና ንፈርዶ ኢሉ`ሎ። “ ብመንጽር ብኢህወደግ ክንርእዮ ዝጸናሕና ግፍዕታት፡ እዚ ሓዲሽ ቀ/ሚ እንታይ ዓይነት ለውጢ ኸምጽእ`ዩ ዝብል ጥርጣረ`ለና” ብምባል መሰረታዊ ለውጢ ከምዝጽበ ኣፍሊጡ`ሎ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG