ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዘካየዶ ልዝብ ብዘይስምምዕ ተዛዚሙ


ሓላፊ ርክባት ወፃኢ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣቶ ዓብዱራሕማን መሪል
ሓላፊ ርክባት ወፃኢ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣቶ ዓብዱራሕማን መሪል

መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን ኣብ ውሽጢ 24 ዓመታት ን40 ግዜ ንልዝብ እንተተራኸቡ እውን ክሳብ ሎሚ ኣብ ስምምዕ ክበፅሑ ኣይክኣሉን።

ኣብ ቀረባ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰለሰተ መዓልታት ልዝብ ዝተሳተፉ ሓላፊ ርክባት ወፃኢ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣቶ ዓብዱራሕማን መሪል እዚ ልዝብ ክልቲኦም ወገናት መርገፂታቶም ዘንፀባርቕሉ ግን ኣብ ጭቡጥ ስምምዕ ዘይተበፅሐሉ ምዃኑ ገሊፆም ኣለው።

ቀፃሊ ልዝብ ኣብ ቀረባ ከምዝካየድ ተሓቢሩ’ሎ፤መዓልቲ ግን ኣይተትወሰነን።ብዛዕባ እቲ ልዝብ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊድ ዝተገልፀ ነገር የለን ይብል ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ናይሮቢ ሓቢሩ’ሎ።

ብኻልእ ዜና ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ዞባ ሲዳማ ፖሊስ ወረዳ ቤንሳ ኣሸበርቲ ኣሳፊርኩም ናብ ከተማ ኣእቲኹም ብዝብል ንክልተ ሰባት ምእሳሩ ምንቅስቓስ ሓርነት ሲዳማ ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት መጎዓዚያ ዝተጠቕሙ እውን ኣብ ቀረባ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ኣባላቱ ምዃኖም እውን ሓቢሩ’ሎ፤ናይ ፖሊስ ምላሽ ንምርካብ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG