ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ደርቂ ኣብ ዘጥቅዖ ከባቢ ረድኤት ከልኪሉ ይብል ግንባር ሓርነት ኦጋዴን


Ogadeni Fighter
Ogadeni Fighter

ናይ ኢትዮጵያ ጉጅለ ደባይ ተዋጋእቲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣብ ክልል ሶማሌ ብደርቂ ሰባትን ጥሪትን ይሞቱ'ለው ክብል ኣፍሉጡ።

እቲ ጉጅለ ናብ መሓውራት ዜና ኣብ ዝለአኾ ኢመይል ኣብ ፅኑዕ ዕርድታት'ቲ ጉጅለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብአዊ ረድኤት ንኸይባፃሕ ብዝገብሮ ማዕቐብ ሕፅረት ማይን ምግብን ገዲዱ'ሎ ኢሉ።

እቲ ኢመይል ኢትዮጵያ ንሕቡራት መንግስታትን ሰብአዊ ትካላትን ብዛዕባ'ቲ ፅንኩር ቅልውላው ስቕ ንኽብሉ ተገድዶም'ላ፡ ዓለም-ለኸ ትካላት ረድኤት'ውን ንዓፀቦ ህዝቢ ኦጋዴን ዕሽሽ ይብልዎ'ለው ክብል ይኸስስ።

ብዛዕባ'ዚ ዝቐረበ ክሲ ርኢቶ ወሃቢ-ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምርካብ ብስልኪ ዝተገብረ ፈተነ አይቀንዔን። እንተኾነ ኣብ ዝትዮጵያ ዝርከቡ ዓለም-ለኸ ትካላት ረድኤት ነቲ ክሲ ግንባር ኦጋዴን ተሪር ምላሽ ሂቦምሉ'ለው።

XS
SM
MD
LG