ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽልተ ኣባላት ኣመራርሓ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣይጨውኹን ኢሉ


Ethiopia map
Ethiopia map
ብሳልሳይ ወገን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድርዳር ናብ ኬናይ ዝኣተው ክልተ ኣባላት መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን /ONLF/ ብናይ ኢትዮጵያ ሰለልቲ ተጨውዮም ኢሉ እቲ ግንባር ንዘውፅኦ መግለፂ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ነፂጎምዎ።

ክልተ ተወልድቲ ኦጋዴን ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ምእታዎም ግን ሓቢሮም ኣምባሳደር ዲና።

ናይ ሰላም ድርድር ይካየድ እንተ ነይሩ ተሓቲቶም ከምኡ ዝበለ መደብ ይኹም ምንቅስቓስ ምንባሩ ርግፀኛ ከምዘይኮኑ ገሊፆም።መንግስቲ ኬንያ ሒዙ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኩቡዎም ብዛዕባ ዝተብሃሉ ክልተ ሰባት ከምዚ ኢሎም።’’ተወልድቲ ኦጋዴን ክልተ ሰባት ብድልየቶም ናብዚ ናብ ኦጋዴን ክልል ሱማሊያ ኣትዮም ኣለው።እዞም ሰባት እዚኦም ብዛዕባ እቲ ኩነት ኣብ ቀረባ መግለፂ ክህቡ እዮም።’’

ምጭዋይ ዝብሃል ናይ ማፊያ ስራሕ ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኹንኖ እዩ ኢሎም ኣምባሳደር ዲና ብምውሳኽ።

እቲ ኩነት ጉዳይ ምጭዋይ ምዃኑ መግለፂ ናይ ዘውፅአ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ወሃቢ ቃል ሓሰን ዓብዱላሂ ዝተጠቐሱ ክልተ ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓ ዝነበሩ ብሳልሳይ ወገን ምስ ኢትዮጵያ ንምድርዳር ናብ ኬንያ ምእታዎም ገሊፆም።

ኣስዒቦም’’ብቕድሚ ትማሊ ድሕሪ ስዓት ካብ ገዝኦም ምስ ወፁ ኣይተመለሱን።ኣባላት ውድብና ምስ ደለዩዎም ሰለልቲ ኢትዮጵያ ጨውዮም ብሞያለ ኣቢሎም እዮም ወሲዶምዎም’’ኢሎም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምስ ምጭዋይ ክልተ ሰበስልጣን ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ብዝተኣሳሰረ ኣብ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ተታሒዞም ዝነበሩ ክልተ ኬንያዊያን ፖሊሳት ብኽልተ ሚሊዮን ናይ ኬናይ ሽልንግ ዋሕ ሎማዕንቲ ሓሙስ ከምዝወፁ ተፈሊጡ።
XS
SM
MD
LG