ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩኒቨርስቲ ደብረ ማርቆስ ሓደ ተምሃራይ ተቐቲሉ


Debre Markos University Logo
Debre Markos University Logo

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ደብረ ማርቆስ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨስርቲ ደብረማርቆስ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ሓደ ትግራይዋይ ተምሃራይ ተቐቲሉሎ።ካልኦት ሰለስተ ተምሃሮ እውን ብከቢድ ምቑሳሎም እውን መሰኻኽር ዓይንን ሰበስልጣንን ሓቢሮም ኣለው።

ኣብቲ ዩኒቨርስቲ ዝርከቡ ልዕሊ ክልተ ምእቲ ተጋሩ ተምሃሮ ኣብ ኣዳራሽ ብሓለዋ ፖሊስ ፌደራል ከምዝርከቡን ኣብ ዓብይ ስግኣት ከምዝወደቑን ይገልፁ ኣለው።ቪኦኤ ዘዘራረቦም ተምሃሮ ካብቲ ከባቢ ኣውፅኡና ይብሉ ኣለው።

ናይቲ ዩኒቨርስቲ ዳይረክተር ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ኣቶ ጌትነት ደሳለው እቲ ዝወረደ ሓደጋ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ካብ ደገ ኣትዮም ዝፈፀምዎ ዝተዋደደ መጥቓዕቲ እዩ፤ግጭት ኣይነበረን ኢሎም።ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ዞባ ምብራቕ ኢንስፔክተር ጎበዜ ይርሳው ግን ኣብ መንጎ ተምሃሮ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ግጭት እዩ፤ምስዚ ብዝተኣሳሰረ ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ተምሃሮ ድማ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ ይካይድ ኣሎ ኢሎም።

መጥቓዕቲ ካብ ዝተፈፀሞም ምስቲ ሓደ ተምሃራይን ካልኦት ተምሃሮ ናይቲ ዩኒቨርስቲን ዝተኻየደ ቃለምልልስ ሓዊሱ መልሲ ናይዝምልከቶም ኣካላት ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:04 0:00

XS
SM
MD
LG