ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ሚሊዮን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብዚ ዓመት ጥራይ ናብ ኣውሮጳ ኣትዮም


ብዝሒ አብዚ ዓመት ናብ ኣውሮጳ ዝኣተው ስደተኛት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ከምዝበጽሐን፣ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ተባሂሉ ከምዝተመዝገበን፣ ዓለም-ለኸ ማሕበር ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

ኣብ ጄኔቫ ዝመደብሩ እዚ ትካል 1, 005,504ን ስደተኛታት ካብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ብመርከብን ብመኪናን ዝሰገሩ ምኻኖም ይሕብር።

ካብ’ታ ብናይ 5 ዓመታት ውግእ ሕድ-ሕድ ትሕመስ ዘላ ሶርያ 200 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ ሚልዮን ከምዝተፈናቀሉን ዝዝከር’ዩ። ስደተኛታት ኣፍጋኒስታንን ዒራቅን እቶም ብብዝሒ ስደተኛታት ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ዝሕዙ ሃገራት'የን።

XS
SM
MD
LG