ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ብዝተላዕለ ግጭት 1 ሰብ ሞይቱ: 4 ቆሲሎም


 ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ
ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ ከተማ ሻምቡ ሎሚ ንግሆ ብዝተላዕለ ህወከት ተኩሲ ምትዃሱን ህይወት ሓደ ሰብ ምጥፍኡ ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ድማ ምቁሳሎም ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

መበገሲ'ቲ ጎንጺ ህዝቢ'ቲ ከባቢ ዘይረኸቦ ሽኮር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሰለስተ መካይን ጽዕነት ተጻዒኑ በቲ ከባቢ ክሓልፍ ኣይግባእን ብዝብሉ ተቓውሞ ነበርቲ'ቲ ከባቢ ዝጀመረ ምዃኑ ተገሊጹ።


ነቲ ተቓውሞ ንምብታን ብዝተተኮሰ ጥይት ዝሞተ ሰብ ወዲ 15 ዓመት ጫማ ብምጽራግ ስራሕ ዝናበር መንእሰይ ምንባሩ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ከተማታት ክልል ኦሮምያ ምብራቅ ወለጋ ወረዳ ኑኑ ቁምባ: ምብራቕ ሸዋ ከተማ ባኮ ወረዳ ቄአምን ሃዋ ገላን ናይተቓውሞ ሰልፍታት ምኽያዱ ተሓቢሩ።


ብፖለቲካዊ ኣረኣእዮኦምን ሕቶ መሰል ብምልዓሎምን ዝተአስሩ ይፈትሑ: ሰራዊት ምኽልኻል ካብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ይውጻእ ዝብሉ ጭርሖታት ኣብቲ ተቓውሞ ምስምዖምን እቲ ተቓውሞ ብሰላም ምዝዛሙ ተገሊጹ።

ብዛዕባ እቲ ዝነብረ ተቓውሞ ምላሽ መንግስቲ ምርኻብ ኣይተኻእለን።

XS
SM
MD
LG