ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገምጋምን ውሳነን ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተውሃበ ርእይቶ


ነባርን ህልዉን አባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህውሓት ሳልሳይ ዙር ገምጋማቱ ብዕምቆት ከምዘካየደ ብመግለፂታቱ ኣቢሉ ደጋጊሙ ገሊፁ ኣሎ፡፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ብነቀፌታን ዓርሰ ነቐፌታን ፈፃሚ ስራሕ ጀሚሩ ከምዝውድኣ ትማሊ ብዕሊ መግለፂ ኣቅሪቡ ኣሎ፡፡ ብመሰረት እቲ ዝሃቦ መግለፂ ኣቦ መንበር ህወሓት ኣይተ ኣባይ ወልዱን ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ኣይተ በየነ መኽሩን ካብ ኣባል ፈፃሚት ኮሚቴ ወሪዶም አባል ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኖም ክሰርሑ፤ ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን ካብ ኣባል ፈፃሚት ኮሚቴ ወሪደን ካብ ማእከላይ ኮሚቴ እውን ተኣጊደን ክፀንሓ፤ ክልተ ሽሞም ዘይተፀርሓ ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ እውን ብመጠንቀቕታ ከምዝተሓለፉ ትማሊ ምሸት ዝሃቦ መግለፂ ሓቢሩ ኣሎ፡፡

ብመሰረት እዚ ገምጋምን ውፅኢቱን ማእከላይ ኮሚቴ ከመይ ከምዝርእዎ ርእይቶኦም ክገልፁ ንሰለስተ ወገናት ርእይቶም ሂቦም ኣለው።

መንእሰይ ኣቤል ጉዑሽ
መንእሰይ ኣቤል ጉዑሽ

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ብፃዕቂ ካብ ዝነጥፉ ሓደ እዩ፡፡ ነዚ ጉዳይ እውን ብትኹረት ዝከታተሎ ዝነበረ ምዃኑ ካብ ዝፅሕፎም ዝነበረ ፅሑፋት ምርዳእ ይክኣል፡፡

ኣቤል፤ እዚ ውፅኢት ብሃንቐውታ ዝፅበዮ ዝነበርኩ እዩ ፡፡ እዚ ማለት ውድብን ህዝብን ሓደ ዝገበረ ገምጋም እዩ፡፡ እዚ ድማ ናይ ኩሉ ድልየት እዩ፡፡ ስለዚ ውድብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ስጋብ ታሕቲ ወሪዱ እናተገምገመ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ልምዓት ዲሞክራሲን ፍትሕን ፀገም ምህላው ምስ ህዝቢ ተረዳዲኡ ኣሎ ፤ ስለዚ ነቲ ፀገም ዝፈጠረ ኣለሊኻ ዝግባእ ክረክብ ምግባር'ዩ ይብል፡፡

“እዚ ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነ ስጋብ ታሕቲ ወረዱ ዘሎ ኣካል ልክዕ ከምዚኣ ብልሒ ብዘለዎ ገምጋም ኣካይድካ ዝኽእል ይቅፅል ዘይኽእል ድማ ክእለ ክግበር ኣለዎ፡ህዝቢ ኣሳቲፍካ።”

ካልእ ርእይትኡ ዝሃበና

ኣይተ ዓንዶም ገብርስላሰ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና
ኣይተ ዓንዶም ገብርስላሰ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና

እዩ፡፡ ዓንዶም “ እዚ ገምጋምን ምንም ለውጢ የብሉን፡፡ ናይ ክልተ ጉጅለ ንሕንሕ እዩ፡፡ መን ስልጣን ሓዘ እምበር ናይ ህዝቢ ጉዳይ ዘልዓለ ኣይኮነን፡፡ ብጉጅለ ተመቃቂሎም ናይ ኣዲስ ኣበባ በዓል ጌታቸው ኣሰፋን ኣቦይ ስብሓትን ደብረፅዮንን ዝሓዝዎን ምስ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣባይ ወልዱ ዝሓዞ ጉጅለ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ናይ ጉባኤ መቐፀልታ እዩ፡፡ ኣብ ጉባኤ ናይ ኣባይ ወልዱ ጉጅለ ስዒሩ ነይሩ ሎሚ ናይ ኣባይ ወልዱ ተሳዒሩ ኣሎ፡፡ ናይ ሰባት ምቕይያር ተዘይኮይኑ እዚ ተኻይዱ ዘሎ ለውጢ ኣብ ህዝቢ ወሪዱ ኣብ ናብራ ትግራይ ዘምፅኦ ለውጢ የብሉን” ይብል፡፡

ካልእ ርእይትኡ ዝሃበኒ ሰራሕተኛ መንግስቲ መስፍን ታደሰ እዩ፡፡ መስፍን "ከም ኣነ እዚ ገምጋም ዓሙቕን ረዚንን ከምዝነበረ የርእየካ ይብል፡፡ ብዝግባእ ተገማጊሞን ከከምዋግኦም ምርካብ ምኽኣል እዚ ንፅበዮ ዝነበርኩ እዩ፡፡ በቲ ንቡር መገምገሚ ተገማጊሞም ክውርድ ዝግብኦ ወሪዱ ኣሎ ቅቡል እዩ፡፡” ድሕሪ ምባሉ እቲ ምውርራድ ቅንዕና የብሉን ብጉጅለ ናይ ኣዲስ ኣበባን ትግራይን ዝዓይነቱ እዩ ዝብሉ ኣሉ ከመይ ይመስለካ ንዝብል ሕቶይ ”እዚ ጌጋ እዩ ውድብ መገምጋሚ ኣለዋ ገምጊማ ኣላ፡፡ ብስሩ እውን እዚ እኮ ሓዱሽ ኣሰራርሓ ናይ ውድብ ኣይኮነን ዝተለመደ እዩ፡፡ ትግምግም ዝወርድ ተውርድ ዝድይብ ተደይብ፡፡”

ሰራሕተኛ መንግስቲ መስፍን ታደሰ
ሰራሕተኛ መንግስቲ መስፍን ታደሰ

መስፍን ታደሰ ንቅድሚት ዝፅበዮ እንትዛረብ "ክሳብ ታሕቲ በዚኣ መልክዕ ወሪዳ ክፀሪ ዝግብኦ ክፀሪ ይፅበ” ይብል፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ገምጋምን ውሳነን ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተውሃበ ርእይቶ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:56 0:00

XS
SM
MD
LG