ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ተወሳኺ ጥርዓናት ይቕበል


ሓላፊ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ዶ/ር እንዳለ ሃይሌ
ሓላፊ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ዶ/ር እንዳለ ሃይሌ

ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 277 ሺሕ ቅሬታታት ከም ዝተቐበለ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ሎሚ ዓመት ዝተቐበሎም ቅሬታታት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ክነፃፀር እንከሎ ዝበዝሓ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ትካል ሓባሲ ንብዓት ኢትዮጵያ ዶ/ር እንዳለ ሃይሌ፡ ብዛዕባ እቲ ዓመታዊ ፀብፃብ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፡ ምውሳኽ ብዝሒ እቲ ቅሬታ፣ ብቐንዲ ምስቲ ኣብ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዘሎ ንተመዛበልቲ ሓረስቶት ካሕሳ ናይ ዘይምኽፋል ፀገም፣ ምስቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሸገር ዘሎ ምፍራስ ኣባይትን፣ ምስቲ ፕሮጀክት ዱር ተባሂሉ ዝፍለጥ፣ ህንፀት ቤተመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተሓሓዝ ከም ዝኾነ ኣመልኪቶም።

ዶ/ር እንዳለ ሃይሌ ወሲኾም እቶም ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ድማ ንምኽርን ውሳነን እቲ ትካል ተቐቢሎም፣ ናይ ምፍፃም ግቡእ ከም ዘለዎም ኣብሪሆም። እቲ ትካል፣ ነቲ ዝተውሃቦም ምኽሪ ኣይፈፀሙን ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ኣካላት መንግስቲ ክሲ ከም ዘቕረበን፣ ንፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ፣ ንፖሊስ ኣዲስ ኣበባን፣ ንኮሚሽን ግምሩክን ሓዊሱ ናይ ዝተፈላለዩ ትካላት ጉዳይ ናብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ከምዝመረሖን ዶ/ር እንዳለ ሓቢሮም ።

ካብ ሞንጎ እቶም ዝተኸሰሱ ፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ምምሕዳር ከተማ ባህርዳርን፣ ምምሕዳር ከተማ ይርጋለምን ከምዝርከቡዎም ዶ/ር እንዳለ ወሲኾም ገሊፆም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG