ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦማር ሃማሚ ’ምስ ኣል-ሸባብን ኣል-ቃይዳን የለኹን’ ይብል


SOMALI COAST
SOMALI COAST
ሎሚ‘ውን ፈጣሪ ራዕዲ‘የ ኢሉ ንባዕሉ ዝገልፅ ኣሜሪካዊ፣ደጊም ኣባል ኣል-ሸባብን ኣል-ቃይዳን ኣይኮንኩን ምባሉ ተገሊፁ።

ኦማር ሃማሚ ነዚ መርገፂ‘ዚ ዝገለፀ ምስ ቪኦኤ ቋንቋ ሶማልኛ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-ምልልስ‘ዩ።

ብዛዕባ‘ቲ ቃለ-መጠይቅ ሪኢቶ ዝሃቡ ባዓል-ስልጣን ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ፣ሃማሚ ኣብ ፈዴራላዊ ቤት ፍርዲ ተኸሳሳይ‘ዩ ኢሎም።

ንሶም ወሲኾም፣እዚ ውልቀ-ሰብ‘ዚ ንክታሓዝ ጥር ትብል ሓበሬታ እንተተረኺቡ፣መንግስቶም ሕጉስ‘ዩ ይብሉ።

ሃማሚ ብወገኑ ምስ‘ቲ ክቀትለኒ ይደሊ‘ዩ ዝበሎ መራሒ ኣል-ሸባብ ሙኽታር ኣቡ-ዙበይር ዝፀንሖ ርክብ ከምዝበተኸ ኣፍሊጡ።

ንሱ ኣብ‘ቲ ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ዝተቀድሐ ድምፂ፣ኣብ‘ቲ ዱር ዝበዝሖ ዞባ በይን በኩልን ሶማልያ ተሓቢኤ ኣለኹ ይብል።ኣል-ሸባብ ንክልቲኤን ኣንስቱ ከምዝኣሰረ‘ውን ጠቂሱ።

ካብ ክፍለ-ግዝኣት ኣላባማ ኣሜሪካ ዝኾነ ሃማሚ፣ንኣል-ሸባብ ይድግፍ‘ዩ ተባሂሉ ብመንግስቲ ተኸሲሱ‘ዩ።ምስ ሰበ-ስልጣን ሶማልያ ወይ ኣሜሪካ ክትዘራረብ‘ዶ ትመርፅ? ንዝብል ሕቶ ግና ተገዳስነት ከምዘይብሉ ገሊፁ።

”ብግልፂ‘የ ዝዛረብ ዘለኹ ኣባል ኣል-ሸባብ ኣይኮንኩን።ብዘይጥርጥር ግና ፈጣሪ-ራዕዲ‘የ።ስለዚ ደጋፊ ኣል-ቃይዳ ካብ ዝብል ክሲ ናብ ደጋፊ ጉጅለ ፈጣሪ ራዕዲ ኢሎም ክግልብጥዎ‘ዮም።ስለዚ ምዝራብ፣ዘይምዝራብ ትርጉም ኣልቦ’ዩ“ ኢሉ ንሱ።

29 ዓመት ዝዕድሚኡ ሃማሚ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ናብ ሶማልያ ኣትዩ ምስ ኣል-ቃይዳ ተሰሊፉ።

ፈዴራላዊ ምርመራ ኣሜሪካ (FBI) ሰራዊት ኢትዮዽያ ንኢትዮዽያ ምስ ወረሩ፣ሃማሚ ናብ ኣል-ሸባብ ከምዝተሓወሰን መራሒ ኣል-ሸባብ ክሳብ ምኳን ከምዝበፅሐን እቲ ዜና ይሕብር።

እዚ ሰብ‘ዚ ንክእሰር ንዝሓገዘ ዝኾነ ወገን ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ክሽልም‘የ ኢላ‘ያ ኣሜሪካ።

መራሒ ኣል-ሸባብ ኣቡ ዙባይ ንእስላማዊ መምርሒታት ኣይትግብርን፣ ንኣል-ሸባብ ድማ ንሶማልያ ንክቆፃፀር ኢሉ ንሙስሊማት ዝረግፀሉ ውድብ‘ዩ ገይርዎ ይብል ሃማሚ።
XS
SM
MD
LG