ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሱዳን ኦማር ኣል-ባሽር ስልጣነይ ከረክብ'የ ኢሎም


ፕረዚደንት ኦማር ኣል ባሽር
ፕረዚደንት ኦማር ኣል ባሽር

ፕረዚደንት ኦማር ኣል-ባሽር፣ ዕድመ ስልጣኖም ድሕሪ ምብቅዑ ድሕሪ ዓርባዕተ ዓመት ከምዝወርዱ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ ዓርባዕተ ዓመት፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ክህልው’ዩ። ኣነ ድማ ፕረዚደንት ነበር ክባሃል’የ ኢሎም ኣል ባሽር ሎሚ ሓሙስ።

ዝሰርሖ ኣዝዩ ኣድካሚ ስራሕ’ዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ቀፃሊ መረፃ ኣይሳተፍን ኢሎም ንሶም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቅ።

72 ዓመት ዝዕድሚኦም ባሽር፣ ካብ ነዊሕ ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሓደ’ዮም። ስልጣን ካብ ዝሓዙሉ 1989 ዓም ጀሚሩ ንሱዳን ይምርሑ ኣለው።

ባሽር ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዳርፉር ዝተፈፀመ ቅትለት 300 ሽሕ ሰባት ምፍንቃል 2.5 ሚልዮን ካልኦትን፣ ብዓለም-ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ዝድለዩ መራሒ ምኻኖም ዝዝከር’ዩ።

XS
SM
MD
LG