ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖለቲካዊ እሱራት ሱዳን ንክፍትሑ ፕረዚደንት ኦማር ኣልባሽር ኣዚዞም


Sudanese President Omar Al-Bashir
Sudanese President Omar Al-Bashir

‘ኩሎም ፓለቲካዊ እሱራት ሱዳን ብቕጽበት ንክፍትሑ መራሒ ሱዳን ፕረዚደንት ኦማር ኣልባሽር ከምዝኣዘዙ’ ትካል ዜና ሱዳን (ሱና) ሎሚ ሰሉስ ገሊጹ።

እቲ ምንጪ ዜና ከምዝጸብጸቦ ‘እቲ ናይ ሎሚ ስጉምቲ ንስለ ሃገራዊ ዕርቂ፣ ስኒትን ሰላምን ተባሂሉ ይውሰድ ከምዘሎ’ ሓቢሩ።

ንተቃውሞ ጸረ መንግስቲ ንምጭፍላቕ ተባሂሉ ኣብ’ዚ ሰሙናት’ዚ ጅምላዊ ማእሰርቲ ከምዝቐነየ’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

እንተኾን ክንደይ እሱራት ከምዝፍትሑ ወይካኣ ኣስማቶም ንጹር ኣይኮነን።

ሱዳን ብሕጽረት ሸርፊ ወጻኢን ሓያል ዝቕባበን ድሕሪ ምውቃዓ ዋላ’ውን ኣድማ እጉድ እንተኾነ ህዝባዊ ነውጺ ኣጋጢሙዋ’ሎ።

ፕረዚደንት ኣል-ባሽር ዝሓለፈ ወርሒ ሰማንያ ፖለቲካዊ እሱራት ንክፍትሑ ከምዝኣዘዙ ዝዝከር’ዩ። ተቓወምቲ ግና 50 እሱራት ሎሚ’ውን ኣይተፈትሑን ይብሉ።

ኤምባሲታት ኣሚሪካን ኣውሮጳን ኣብ ሱዳን ብወገነን ኩሎም እሱራት ይፈትሑ ኢለን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG