ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ካብ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትስ ናብ ኤርትራ ተምርሕ ዝነበረት መርከብ ምጥሓላ ተሓቢሩ


eritrea oman
eritrea oman

ሰበ ስልጣን ዖማን እታ መርከብ ኣብ ገማግም ላባኪ ምጥሓላ ዝገለጹ ኽኮኑ ከለው ኣብታ መርከብ ዝነበሩ 20 ሰራሕተኛታት ብህይወት ምትራፎም’ውን ሓቢሮም።

ካብ ሚንስትሪ ኮሚኒኬሽን ዖማን ኣብቲ ናይታ ሃገር ኣገልግሎት ዜና ዝተቓለሓ መግለጺ እታ መርከብ ብሓደ ወገን ልሒኹ ብዝኣተወ ማይ ምጥሓላ ይሕብር።

እታ ባንዴራ ታንዛንያ ዝሓዘት መርከብ ናይ ህንጻ መሳርሒታት ዝጸዓነት ምኳናን ካብ ዓረብ ኢማራትስ ናብ ኤርትራ ተምርሕ ከምዝነበረት’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG