ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳደ ደስታን ማይክ ስዩምን ኣብ ምዕባለታት ኦሎምፒክስ ይዘራረቡ


ኣሜሪካዊ ኾኸብ ሓምባሳይ ሚሸል ፍልፕ ድሕሪ ክልተ ውድድራት ኦሎምፒክ ሎም’ውን ንኣፍቀርቲ ስፖርት የስደምም ኣሎ።

ኤርትራዊ ንጉስ ጎቦ ዙር-ፈረንሳ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ካብ 140 ተቐዳደምቲ መበል 43 ብምውጻእ ዝንኣድ ውጽኢት ኣመዝጊቡ`ሎ

ኢትዮጵያዊ እንኮ ተወዳዳራይ ሓመሳ ሮቤል ኪሮስ ኣብ መርበባት ህዝባዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ኮይኑ’ሎ።

ንሱ ትማሊ ኣብ ሚእቲ ሜትሮ ሓመሳ ካብ’ቶም ካልኦት ተወዳደርቲ ብልዕሊ ፍርቂ ጊዜ ደንጉዩ’ዩ ዛዚምዎ። ሮቤል ናብ ኦሎምፒክ ዝኣተወሉ ኩነታት ብኮታ ድዩ? ብብቅዓት? ንጹር ኣይኮነን።

ንሱ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ ግና ‘መበል ክንደይ ምእታወይ ንዓይይ ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይኮነን’ ኢሉ’ሎ።

ማይክ ስዩምን ዳደ ደስታን ብዛዕባ`ዝን ካልእን ኣውጊዖም ኣለዉ።

ዳደ ደስታን ማይክ ስዩምን ኣብ ምዕባለታት ኦሎምፒክስ ይዘራረቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:13:01 0:00

XS
SM
MD
LG