ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድድራት ኦሎምፒክ ይቅፅል‘ሎ


TIRUNESH DIBABA
TIRUNESH DIBABA

ጥሩነሽ ዲባባን ቲቂ ገላኔን ሜዳልያ ወርቂ ተቀቢለን

ዓርቢ ዝጀመረ ቀንዲ ውድድራት ኦሎምፒክ ሎሚ‘ውን ቀፂሉ ውዒሉ‘ሎ።
ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ መዓልታት፣ናይ ሓፂርን ነዊሕን ርሕቀት ውድድር ጉያ ሓዊሱ፣ብርክት ዝበሉ ዓይነት ስፖርታዊ ውድድራት ይሳለጥ‘ሎ።ገሊኡ መፃረዪ ገሊኡ ድማ መዛዘሚ።

ዓርቢ ምሸት እታ ኣብ ቤይጅንግ ድርብ ሜዳልያ ወርቂ ኣብ ሓሙሽተን ዓሰርተን ሽሓት ዝዓተረት ወርቅነሽ ዲባባ፣ሳልሳይ ሜዳልያ ኦሎምፒክ ረኺባ‘ላ።ዝናኣድ ቅዲን ኣፈፃፅማን ጉያ ተጠቂማ‘ያ ተዓዊታ።ጥሩነሽ ዲባባ ንራብዓይ ሜዳልያ ዘብቃዓ ተሳትፎ ኣብ ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ፅባሕ ሰሉስ ኣብ ናይ መፃረዪ ውድድር ክትሳተፍ ምኻና ዓለም-ለኸ ፈደረሽን ኣትሌትክስ ዘውፀኦ መደብ ይሕብር።መሰረት ደፋር‘ውን ክትሳተፍ‘ያ።

ሰንበት ውድድር ማራቶን ተካይዱ‘ሎ።ካብ ኢትዮዽያ ሰለስተ ቲቂ ገላኔ፣ ሓፍቲ ጥሩነሽ ዲባባ ማሬ ዲባባን ኣሰለፈሽ መርግያን፣ካብ ኤርትራ ሓንቲ ረሓሰት መሓሪ ተሳቲፈን ነይረን።

ውፅኢት ቲቂ ገላኔ ቀዳመይቲን ተሸላሚት ሜዳልያ ወርቂ ክትከውን ከላ፣ ማሬ ዲባባ መበል ፳፫፣ኣሰለገሽ መርግያ መበል ፵፪፣ኤርትራዊት ረሓሰት መሓሪ ድማ መበል ፶፱ ኮይነን ኣለዋ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ ዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ልዑል ትፅቢት ዝፀንሖም ኢትዮዽያውያንን ኤርትራውያንን ካብ‘ቲ ኣብ ኦሎምፒክ ቤይጅንግ ዝነበሮም ተሳትፎ ኣዝዩ ዝታሓተ ምንቅስቃስን ውፅኢትን ኣርእዮም እዮም ነቲ ውድድር ዛዚሞምዎ።

ካብ ወገን ኢትዮዽያ ቀነኒሳ በቀለ፣ሓው ታሪኩ በቀለን ገ/እግዚሄር ገ/ማርያምን ክኾኑ ከለው ካብ ወገን ኤርትራ ድማ ንጉሰ ተስፋልደት፣ ተክለማርያም መድህንን ዘርእሰናይ ታደሰን‘ዮም ተወዳዲሮም።ውፅኢት ታሪኩ በቀለ ሳልሳይ፣ቀነኒሳ በቀለ ራብዓይ፣ዘርእሰናይ ታደሰ ሻድሻይ፣ተክለማርያም መድህን ሻውዓይ፣ገ/ሄር ገ/ያም ሻምናይ፣ንጉሰ ተስፋልደት መበል ፲፮ ኮይኖም ነቲ ውድድር ዛዚሞም።

ኣብ ቅድሜና ይፅበዩና ዘለው ውድድራት ሸሞንተ ሚእቲ፣1,500፣ሰለስተ ሽሕ ሜትሮ መሰናክል፣፭ ሽሕ ብክልቲኡ ፆታ ከምኡውን ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ‘ዩ።

ሰደቃ ሜዳልያታት ክንሪኢ ከለና፣ዓባይ ብሪጣንያ ብሰለስተ ኣውርቅቲ፣ ሓደ ብሩርን ቀዳመይቲ፣ጃማይካ ብክልተ ኣውርቅቲ፣ሓደ ብሩርን ሓደ ነሓስን ካልአይቲ፣ኢትዮዽያ ብክልተ ኣውርቅትን ሓደ ነሓስን ሳልሰይቲ ኮይነን ነቲ ውድድራት ይመርሓ ከምዘለዋ IAAF ዘውፀኦ መግለፂ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG