ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይ ዘተ ኣካዪዶም


ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኦቦሳንጆ ብሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተራኺብዮም ዘትዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ጕዕዞ ኦብሳንጆ ናብ መቐለ ኵነታት ንምጽናዕን ድሕሪ ምምላሶም ንዝምልከቶም ኣካላት መብርሂ ንምሃብን ምዃኑ የመልክት። ወሃቢት ቃል ስቴት ሚኒስተር ዝዀነት ሰለማዊት ስዩም፡ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ዕላማ ጕዕዞ ኦብሳንጆ ንዘተ ዘይምዃኑ ጠቒሳ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ግን ዝተፈልየ ርክብ’ውን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ማርቲን ግሪፍስን ብሰንበት ናብ ትግራይ ተጓዒዞም ምስ ዶክተር ደብረፅዮንን በቲ ኲናት ዝተሃስያ ወገናት ደቀንስትዮን ከም ዝተረኸቡ ተፈሊጡ ኣሎ። ሰንበት ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ግሪፍስ ብድሕሪኡ ጕዕዞኦም ንኣዲስ-ኣበባ ምቕጻሎም ካብ ቤት ጽሕፈቶም ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓትን ወሃቢ ቃል እቲ ውድብን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብትዊተርን ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓበሬታ ርክብ ኦባሳንጆን ዶክተር ደብረጽዮንን ውጽኢታዊ ነይሩ ክብሉ ገሊጾም። ንዝርዝር ርክብ ክልተ ልኡኻት ኣመልኪቱ ዝወጸ መግለጺ ግን ዛጊት የሎን።

እቲ ዝተኻየደ ዘተ ጠሚቱ ተወሳኺ መብርሂ ካብ ኣመራርሓ እቲ ክልል ይሓትት ከምዘሎ ካብ ከተማ መቐለ ሙሉጌታ ኣፅብሃ ፀብፂቡ።

XS
SM
MD
LG