ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦነግ: ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ 150 ምሟቶም ብምግላጽ ንመንግስቲ ተሓታቲ ይገብር


ክልል ኦሮምያ
ክልል ኦሮምያ

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ሓደ ወርሒ ውሽጢ 150 ሰባት ከምዝተቀትሉ ብምግላፅ ንመንግስቲ ተሓታቲ ይገብር።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 150 ንፁሃት ዜጋታት ብመጥቃዕቲ ደብዳባት ነፈርትን ዓበይቲ ኣፅዋራትን ከምዝተቀትሉ ረቡዕ 3 ታሕሳስ2016 ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እቲ ግንባር ኣብ መግለፂኡ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዝፍፀም ዘሎ መቅተልቲ ንሓይሊታት መንግስቲ ተሓታቲ ይገብር።

ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ኦነግ ለሚ ገመቹ መንግስቲ ደሕንነት ህዝቢ ክሕለው ኣይገበረን ኢሎም ዝወቅሰሉ ምኽንያት ካብ ህዝቢ ብዘተኣኻኸቦ መረዳእታ ዝተሞርከሰ ምዃኑ ይገልፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝቢ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ሃይሉ ኣዱኛ ግን ብሓይሊታት መንግስቲ ዝውሰድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ልዕልና ሕጊ ንምኽባር ኣብ ልዕሊ “ኦነግ ሸኔ" ዝተባህለ ዕጡቅ ሓይሊን መሰላቱን ድኣምበር ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘቅነዐ ኣይኮነን ክብሉ ነቲ ክሲ ይነፅግዎ። ኣቶ ሃይሉ መግለፂ ኦነግ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ጉጅለታት ዘሎ ምትሕብባር ዘርኢን ነቲ ጉጅለ ዘለዎ ድጋፍ ዘመልክትን እዩ ኢሎም።

እቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ሞንጎ መንግስትን ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞን ዝካየድ ምልውዋጣት ተኹሲ ሰላማውያን ሰባት ይህሰዩ ምህላዎን ዕጡቃት መንግስቲ ተሓታቲ ከምዝገብሩን ድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘዘራረቦም ነበርቲ ምግላፆም ዝ ዝከር እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG