ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንመግለጺ ፖሊስ ኬንያ ይነጽግ


ኣብ ሰሜናዊ ኬንያ ንሰለስተ ሰባት ዝቀተለ መጥቃዕቲ ብሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ’ዩ ኢሎም ወሃቢ-ቃል ኦነግ።

እዚ ዝገለጹ ምስ ቪኦኤ ቃለ-መጠይቕ ዘካየዱ ላዕለዋይ ኣመራርሓን ወሃቢ ቃል ኦነግን ኣቶ ቶሌራ ኣዴባ፣ እቲ መጥቃዕቲ ፖሊስ ኬንያ ከምዝበሎ ብዕጡቃት ተቃወምቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ኣይኮነን ኢሎም።

'ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዘሊቁ ብምእታው ኣብ ልዕሊ’ቶም ፖሊስ መጥቃዕቲ ፈጺሙ፣ ንሰለስተ ሰባት ድሕሪ ምቅታል፣ንብርክት ዝበሉ ኬንያዊያን ሒዙ ተመሊሱ’ሎ” ኢሎም።

ኣቶ ቶሌራ መራሕቲ ኢትዮጵያ፣ ኦነግ ውዱብን ኣድማዒን ሰራዊት የብሉን’ዮም ዝብሉ ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝደለዮ ይዛረብ፣ ኦነግ ንህዝቢ ኦሮሞ ዝቃለስ እኹል ሰራዊት ኣለዎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG