ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ጉጅለታት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ተፈላሊዮም


‘’ኣብ ትሕቲ ፅላል ኢትዮጵያ ኮይንና ንሓንቲ ኢትዮጵያ ኢና ንቃለስ’’ብጀነራል ከማል ዝምራሕ ኦነግ ‘’ኦሮሞ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሓወሰ ብሓይሊ ዝለዝኾነ ሕቶና ዝተፈለየ እዩ’’ብኣቶ ዳኡድ ኢብሳ ዝምራሕ ኦነግ

ሕቶና ሕቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ኣብ ትሕቲ ፅላል ሓድነት ኢትዮጵያ ኮይንና ኢና ንቃለስ ኢሉ ናይ ቅዋም ለውጢ ዝገበረ ብጀነራል ከማል ገልቹ ዝምራሕ ጉጅለ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ህዝቢ ኦሮሞ ናብ ኢትዮጵያ ዝተሓወሰ ብሓይሊ ስለዝኾነ ንነፃነት ኢና ንቃለስ ዝብል ቅዋም ናይ ዝሓዘ ብኣቶ ዳኡድ ኢብሳ ዝምራሕ ካሊእ ጉጅለ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ክልተ ዝተመቕልሉ ምኽንያት ናይ ኣብዝሓ ሕቶ ምቕባልን ዘይምቕባልን ከምዝነበረ ብጀነራል ከማል ናይ ዝምራሕ ውድብ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ዝኾኑ ኣቶ ቃሲም ኣባነሻ ይገልፁ።

ብኣቶ ዳኡድ ኢብሳ ናይ ዝምራሕ ጉጅለ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተወካሊ ዝኾኑ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ወሃቢ ቃል እቲ ውድብን ዶ/ር በያን ኣሶባን ግን ብጀነራል ከማል ዝምራሕ ጉጅለ ናይ ፕሮግራም ለውጢ ዝገበረ ምልኣተ ጉባኤ ከይሓዘ እዩ ይብሉ።ንዝርዝሩ የድምፁ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG