ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሪሕነት ኦነግ ዝነበሩ - “ዴሞክራስያዊ ግንባር ኦሮሞ” ዝተባሃለ ሓድሽ ፓርቲ መስሪቶም


Lencho Bati
Lencho Bati
ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝነበሩ፣ዴሞክራስያዊ ግንባር ኦሮሞ ንዝተባሃለ ሓድሽ ፓርቲ ከምዝመስረቱ ገሊፆም።

ንምርግጋፅ ፍትሒ፣ነፃነት፣ማዕርነትን ዴሞክራስን መላእ ህዝቢ ኢትዮዽያ ከምዝቃለስን፣ሕቶ ምንፃል ዕላምኡ ከምዘይኮነን እቲ ውድብ ሎሚ ኣብ ዝዘርገሖ ማኒፌስቶ ኣፍሊጡ።

ናይ‘ቲ ሓድሽ ፓርቲ ኣቦ-መንበር ኣቶ ሌንጮ ለታ ንሰለሞን ክፍሌ ከምዝገለፅሉ፣እቲ ሓድሽ ፓርቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንዘመዝገቦም ዓወታት ዓቂቡ፣ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ናብ ዝላዓለ ብርኪ ክበፅሕ ምግባር‘ዩ ዕላማና ኢሎም።

ንምኻኑ፣እቲ ሓድሽ ፓርቲ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብከመይ‘ዩ ዝፍለ? ናይ ምንፃል ሕቶ ዝብል‘ከ ገዲፍኩምዎ‘ለኹም ማለት ድዩ? ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ ኣቶ ሌንጮ ለታ ዝሃብዎ መልሲ‘ሎ፥

”ንሕና ካብ ካልኦት ውድባት ኦሮሞ ዝፈልየና፣ንፈለማ ጊዜ ኢትዮዽያ-ሓቆፍ ዝኾነ ራኢ ሒዝና ዝተበገስና ምኻና‘ዩ።ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ንመሰላት ብሄራት ዘኽብር እናመሰለ ንመሰል ውልቀ-ሰባት እናጋሃሰ ዝገዝእ ኢህወዴግ ኣሎ።ብተቃራኒ መሰል ብሄራት ዘይቅበሉ ብዙሓት ፓርቲታት ኣለው” ኢሎም።

”ኣብ ሕቶ ምንፃል፣እቲ ጉዳይ ምንፃልን ዘይምንፃልን ዝብል ኣይኮነን። መሰላት ክሳብ ዝተረጋገፁ፣ኢትዮዽያ ምቅፃላ ንህዝቢ ኦሮሞን ካልኦት ህዝቢን ዝረብሕ‘ዩ ኢልና ኢና ንኣምን።መሰል ኣብ ዘይተረጋገፀሉ እዋን ግን፣ሃገር ብሰላም ክትቅፅል ኣይትኽእልን ዝብል እምነት ኣለና”ኢሎም ኣቶ ሌንጮ ለታ።
XS
SM
MD
LG