ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ንኣዲስ ኣበባ ባቕዳድ ንምግባር ሓሲበዮ ኣይፈልጥን`- ኦነግ


ወያነ ንተቓወምቱ ንምጥቃን ድራማታት ምስራሕ ኣመሉ`ዩ ኢሎም ወሃቢ ቓል-ኦነግ

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ወጢኑ ኔሩ ዝብል ጸብጻብ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሒሩ ድማ ካብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ተቖጻጻሪ ጉጅለ ንሶማልያን ኤርትራን ቐሪቡ`ዩ።

ወሃቢ-ቓል ኦነግ ዶ/ር በያን ኣሶባ ግና፡ ኦነግ ከምኡ ዓይነት ስራሕ ኣብ ብረታዊ ቃልሱ ከምዘየለ ድሕሪ ምግላጽ፡ ውድቦም ነቲ ክሲ ንምቅዋም ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራትን ናብ ኣባላት ባይቶ ጸጥታን ደብዳበ ከምዝጸሓፈ ኣፍሊጦም። “ኣብ ቅድሚ ባይቶ ጸጥታ ቐሪብና መርገጽና ክነስምዕ ዕድል ክወሃበና ሓቲትና ኣለና፡ ዕድል ክወሃበና ከኣ ተስፋ ንገብር”።

ብዛዕባ ቦምብ ዝምልከት ግን ኢሎም ዶ/ር በያን “ወያነ ከምኡ ዓይነት ድራማታት እናዝሰርሐ ዝጸንሐ`ዩ”።

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG