ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝነበሩ ናብ መንግስቲ ይጽንበሩ ኣለዉ” መራኸቢታት መንግስቲ


ኣብ መንጎ ፕረዚደንት’ቲ ክልል ሽመልስ ኣብዲሳን ኣዛዚ ማእከላይ ዞባ ምንቅስቃስ ናጽነት ኦሮሞ ዝነበረ ሰኚ ነጋሳ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም
ኣብ መንጎ ፕረዚደንት’ቲ ክልል ሽመልስ ኣብዲሳን ኣዛዚ ማእከላይ ዞባ ምንቅስቃስ ናጽነት ኦሮሞ ዝነበረ ሰኚ ነጋሳ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም

መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ምስ ምንቅስቃስ ናጽነት ኦሮሞ ዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ ኣባላት’ቲ ምንቅስቃስ ናብ መንግስቲ ይምለሱ ምህላዎም ገሊጹ።

መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ብሰንበት ኣብ መንጎ ፕረዚደንት’ቲ ክልል ሽመልስ ኣብዲሳን ኣዛዚ ማእከላይ ዞባ ምንቅስቃስ ናጽነት ኦሮሞ ዝነበረ ሰኚ ነጋሳ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ብዝሒ ዘለዎም ኣባላት ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንዝተገብረ ጻውዒት ሰላም ብምቕባል ይምለሱ ምህላዎም ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን’ቲ ክልል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝዘርግሖ መግለጺ ብፍላይ ኣብ ዞባ ምዕራብን ደቡብ ምዕራብ ሸዋ ዝንቀሳቀሱ ኣባላት ነቲ ጻውዒት ሰላም ተቐቢሎም ኣብ ዝተዳለዎም መቕበሊ ቦታ ይኣትው ምህላዎም ገሊጹ’ሎ።

ነበርቲ’ቲ ከባቢ’ውን እቶም ተዋጋእቲ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ናይ ምቕባል ስነ ስርዓት ኣዳልዮም ምንባሮም ተገሊጹ’ሎ።

ነዚ ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ኮነ ካብ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ምላሽ ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይተዓወተን።

እንተኾነ ነቲ ሰንበት ዝተበጽሐ ስምምዕ ስዒቡ ኣማኻሪ ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣቶ ጅፌኛ ጉደታ “እቲ ስምምዕ ካብ ኣብ መሪሕነት ምስ ዝነበረ ኣካል ዝተበጽሐ’ዩ” ክብሉ ምላሽ ምሃቦም ይዝከር።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ሎሚ ኣጋ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ቲ ስምምዕ “ ህዝቢ ንምድንጋር” ተኻየደ’ዩ ክብል ነቒፍዎ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG