ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝርርብ ሰላም መንግስቲን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ተዛዚሙ፣ ሓባራዊ ምርድዳእ ኣይተበጽሐን


ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን - ፋይል
ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን - ፋይል

ኣብ ታንዛኒያ ክካየድ ዝቐነየ ቀዳማይ ገጽ ርክብ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ፈደራል መንግስቲን ብጽቡቕ መንፈስ ግን ከኣ ብዘይ ሓቛፊ ምርድዳእ ምዝዛሙ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ደሴት ዛንዚባር ክካየድ ዝቐነየ ርክብ “ሃናጺ’ዩ ነይሩ” ዝበሉ ነቲ ብመንግስቲ ዝተወከለ ኣካል ዝመርሑ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን፡ “እንተዀነ ብዘይ ሓባራዊ ምርድዳእ ተዛዚሙ፡” ክብሉ ኣብ ናይ ትዊተር ገጽ ጽሒፎም። ብተመሳሳሊ ቤት ጽሕፈት መራኸቢታት መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ውን ክልቲኦም ኣካላት ንዝያዳ ዝርርብ ምርድዳኦም ኣመልኪቱ።

ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ናይ ትዊተር መግለጺኦም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ግጭት፡ ብመትከላት ቅዋም እታ ሃገር ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳም ከም ዝሰርሕ ኣፍሊጦም።

ላዕለዋይ እዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ ብወገኑ፡ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ምርድድዳእ ምንባሩ ኣመልኪቱ ኣሎ። እንተዀነ እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኣብ ወሰነቲ ፖለቲካውያን ጉዳያት ኣብ ስምምዕ ምብጻሕ ኣይተኻእለን ኢሉ። ናብ ዘላቒ ሰላም ንምስጓም ድማ ኣብቶም ጋግ ኣለዎም ዝበሎም ጉዳያት ዝያዳ ርክብን ዝርርብ ከም ዘድሊ እቲ መግለጺ ይሕብር። ንኣሳለጥቲ እቲ ርክብ ምስጋናኡ ዝጠቐሰ መግለጺ ሰራዊትን ናጽነት ኦሮሞ፡ ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነት’ውን ገሊጹ።

ክልተ ወገናት ንዝተበጽሐ ጽቡቕ ናይ ምርርዳእ መንፈስ ደኣ ይጥቀሱ እምበር፡ እቲ ዝፈላሊ ዝበሉዎ ነጥብታት ግን ኣይጠቐሱን። ንተወሳኺ ርክብ ዝተታሕዘ መደባት እንተሎ’ውን ኣብ መግለጺ ክልተ ወገናት ኣይተመልከተን።

XS
SM
MD
LG