No media source currently available
ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ምርጫ ኣመሪካ፡ ክልተ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ኢሚግራንት ድማ ንከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ይወዳደሩ ኣለዉ። ሜሮን ሰመዳር ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየን ቅድሚ 12 ዓመታት ናብ ኣመሪካ መጽዩ ዜግነት ዝወሰደን ተሓላቒ ስደተኛታት ክኸውን ከሎ፡ ባባ ኣፎላቢ ድማ ኣብ ናይጀርያ ተወሊዱ ዝዓበየን ኣብ መጀመርያ 90`ታት ናብ ኣመሪካ ዝመጸን በዓል-ሞያ ንግዲ`ዩ።