ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገለ ክፋል ኦክላሆማ-ኣሜሪካ ብከቢድ ህቦብላ ተወቂዑ


ዝዓነወ ክፍሊ ኦክላሆማ
ዝዓነወ ክፍሊ ኦክላሆማ
ንክፍለ-ግዝኣት ኦክላሆማ ኣሜሪካ ቅድሚ ትማሊ ዝወቅዐ ከቢድ ህቦብላ፣ ንህፃናት ተማሃሮ ሓዊሱ ህይወት ከምዘጥፈአን ኣባይትን ንብረትን ከምዘዕነወን ሰበ-ስልጣን‘ቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ንከባቢታት ከተማ ሙር ዝወቅዐ እቲ ኣብ ሰዓት 320 ኪ/ሜ ዝውንጨፍ ዝነበረ ንፋስ፣ንሓንቲ ንእሽተይ ከተማ ከምዘይነበረት ገይሩዋ‘ሎ።

ብዘይካ‘ዚ እቲ ህቦብላ እግረ መንገዱ ንዝነበራ ክልተ መባእታዊ ኣብያተ-ትምህርቲ መድሚዱወን፣ብርክት ዝበሉ ህፃናት ተማሃሮ‘ውን ኣብ‘ቲ ፍርስራስ ተቀቢሮም‘ዮም።ገለ ተማሃሮ ካብ‘ቲ ዑና ክወፁ ተገይሩ‘ሎ።ዝተረፉ ግና፣ ብህይወት ተሪፎም ደኾን ይኾኑ ዝብል ተስፋ ይፅልምት‘ዩ ዘሎ።

ዛጊድ በዝሒ ዝሞቱ ሰባት ኣብ ሙር 24 ከምዝበፅሐን እቲ ቁፅሪ ክውስኽ ከምዝኽእልን‘ውን እቲ ዜና ይሕብር።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣እቲ ብህቦብላዊ ንፋስ ዝተጠቅዐ ከባቢ ኦክላሆማ፣ዞባ ህፁፅ ጊዜ ከምዝተኣወጀሉን ኣብ ዓቅሚ መንግስቲ ዘሎ ፀጋታት ተጠቂምካ ሓገዝ ንምውሓዝን ከምዝግበር ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣፍሊጦም።
XS
SM
MD
LG