ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህቡብ ኣመሪካዊ ስፖርተኛን ተዋሳኣይን ነበር ኦጀ ሲምሶን ምሕረት ተኣዊጁሉ


ህቡብ ኣመሪካዊ ስፖርተኛን ተዋሳኣይን ነበር ኦጀ ሲምሶን
ህቡብ ኣመሪካዊ ስፖርተኛን ተዋሳኣይን ነበር ኦጀ ሲምሶን

ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ሓደ ካብ ዝበዝሐ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ፍርዳዊ መስርሕ ዘሕለፈ ህቡብ ኣመሪካዊ ስፖርተኛን ተዋሳኣይን ኦጀ ሲምፕሶን ብምሕረት ክልቀቕ ተወሲኑ።

ኦጀ ሲምሶን ብረት ብዝተሰነየ ክትራንን ስርቅን ተኸሲሱ ንዝሓለፈ ትሽዓተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ: ሎሚ ኣብ ዝወዓለ ዳግማይ መጋባእያ ብምሕረት ክልቀቕን ዝተረፈ ግዜ ማእሰርቱ ድማ ኣብ ካብ ማእሰርቲ ወጻኢ ክፍጽሞን ብይን ተዋሂቡ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ተዋሂቡ ዘሎ ብይን: 70ዝዕድመኡ ኦጀ ሲምሰን ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክልቀቕዩ።

ኣዝዩ ብዙሕ ቁጽሪ ዝነበረን መደበራት ቴለቪዝን ነቲ ብይን ብቐጥታ ዘመሓላለፍኦ ክኾና ከለዋ፡ ኦጀ ሲምፕሰን ኣርባዕተ ዝኣባላቱ ቦርድ ነቲ ናይ ምልቃቕ ብይን ድሕሪ ምሃቦም፣ እናነብዐ ርእሱ ኣድኒኑ ምስጋና ክህብ ኣቃሊሐን።

እቲ ቦርድ: ካብ ኣርነልያ ዝተባህለ ዓባይ ጓል ኦጀ ሲምሰንን ብሩስ ፍሮሞንግ ዝተባህለ ብሓይሊ ብረት ዝተዘርፈን ቃለ ምስክርነት ድሕሪ ምስማዕ፤ ሲምሰን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘርኣዮ ጠባይን ምእዙዝነትን ብፍላይ ድማ ሕግታት ቤት ማእሰርቲ ኣብ ምኽባር ዘርኣዮ ተገዳስነትን ኣብ ግምት ብምእታው ብምሕረት እንተተለቒቑ ንሕብረተሰብ ሓደገኛ ኣይከውንን’ዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ብምብጽሑ ብምሉኦም ኣባላት እቲ ቦርድ ነቲ ውሳነ ከምዘመሓላለፉ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኦጀ ሲምፕሰን ቅድሚ 20 ዓመት ብድርብ ቅትለት ተኸሲሱ ኣብ ኣሜሪካን ኪኖ ኣመሪካን ንብዙሓት ኣቓልቦ ብዝሰሓበ መስርሕ ፍርዲ ሓሊፉ ናጻ ምውጽኡ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG