ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ቅልውላው መስመር ቀይሕ ባሕሪ ተኣሳሲሩ ዋጋ ነዳዲ ወሲኹ


ውህድ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እንግሊዝን
ውህድ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እንግሊዝን

ኣመሪካን እንግሊዝን ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ ናይ የመን ድሕሪ ዝወሰድኦ መጥቃዕቲ፡ ሎሚ ዓርቢ ዋጋ ነዳዲ ብ4% ምውሳኹ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ንኣስታት 15% ናይ ዓለማዊ ንግዳዊ ልውውጥ ዝሓልፈሉ መስመር ቀይሕ-ባሕሪ ምፍጻሙ፡ ነቲ ዞባ ብምሉእ ኣብ ሕጽረት ነዳዲ ከይሸሞ ስግኣታት ኣሕዲሩ ኣሎ።

ውህድ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እንግሊዝን፡ “ኣብቲ ዞባ ንዝግበር ዝነበረ ናጻ ምንቅስቓስ መራኽብ ንዝተዓናቕፍ ሑቲ ዝተገብረ’ዩ፡” ክብል ፕረዚደት ኣመሪካ ጆ ባይደን ገሊጹ ኣሎ።

ወሃብ-ቃል ተቓለስቲ ሑቲ ግን ኣብቲ መስመር ንዝጓዓዛ መራኽብ እስራኤል ከጥቅዑ ምዃኖም ደጊሙ ገሊጹ ኣሎ።

ዓበይቲ ኩባንያታት መራኽብ ነቲ መስመር ኣወጊደን ብጽንፊ-ጽቡቕ-ተስፋ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ክጓዓዛ ምውሳነን ኣብ ሕጽረት ቀረባትን ምውሳኽ ዋጋታትን ተራ ገይሩ ኣሎ።

ብምትእጕጓል እዚ መስመር ንግዲ ኣዝዩ ውሑድ ካብ ዝጽለዋ ሃገራት ሓንቲ ኣመሪካ ምዃና ቤተ-መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ትማሊ ሓሙስ ገሊጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG