ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኦጋደን ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ግጭት ምንባሩ ክልቲኦም ወገናት ኣረጋጊጾም


ONLF Fighters
ONLF Fighters

ግንባር ሓርነት ኦጋደን፡ 25 ፍሉያት ኣሃዱ ወተሃደራት ቐቲለ ይብል፡ መንግስቲ ብወገኑ ከባቢያዊ ሚሊሻይ 11 ኣባላት ኦብነግ ቀቲሎም ይብል

እቲ ግጭት ዘጋጠመ ኣብቲ ቻይናዊ ኩባንያ ነዳዲ ዳህሳስ ዘካይደሉ ኸባቢ`ዩ። ኩነታቱ፡ ክልቲኦም ወገናት ብበሊሕ ይፈላለዩ።

ግንባር ሓርነት ኦጋደን፡ ኣብ`ቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ኹናት ኻብ ፍሉይ ብርጌድ መንግስቲ 25 ወተሃደራት ቐቲለ ይብል። እቶም ወተሃደራት፡ ንጉጅለ ዳህሳስ ፐትሮትራንስ ዓጂቦም ኸምዝመጹን፡ ንሓረስቶት`ቲ ኸባቢ፡ ኣብ መስመር ዳህሳስ ኢኹም ዘለኹም ብዝብል ምስምስ ኻብ መሬቶም ኸምዘርሓቕዎምን ኦብነግ ይጠቅስ።

ወሃቢ-ቓል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ሽመለስ ከማል፡ “ዝተለምደ ሓሶት`ዩ” ብምባል፡ ዕጡቓት ኦብነግ ንሲቪላዊ ዒላማታት ኸምዘጥቅዑን፡ ብኸባቢያዊ ሚልሻ ተመኪቶም ኸቢድ ክሳራ ከምዝወረዶምን ገሊጾም።

ኣብ ኦጋደን፡ ቻይናዊ ኩባንያ ፐትሮትራንስ፡ ዳህሳስ ነዳዲ የካይድ ከምዘሎ`ውን ተዛሪቦም ኣቶ ሽመልስ።

ንምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG