ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ተቐቲሉ


ሓይልታት ኢትዮጵያን ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን ኣብ ዘካየድዎ ግጭት ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ብቕድሚ ትማሊ ሰኒ ከምዝተቐትለ ሰበስልጣን እቲ ዓማፂ ንቪኦኤ ክፍሊ ሱማሊኛ ገሊፆም።

ወታደራዊ ሓላፊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ሸኽ ደቅ መሓመድን ካልኦት ክልተ ኣባላት እቲ ዓማፂ ጉጅለን ኣብ ዶብ ሱማሊያን ኢትዮጵያን ኣብ ዝርከብ ጥቓ ፋርጃኖ ተቐቲሎም ኣለው ይብሉ እቶም ሰበስልጣን።

ወሃቢ ቃል ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዓብዳኒ ሒርሞግ ንቪኦኤ ኣብዝሃቦ ቃል መሓመድ ምስ ሓንቲ ንእሽተይ ኣሃዱ እናሃለው እዮም ብሓይልታት ኢትዮጵያን ሚሊሺያታት ሱማሊያን ዝተጠቕዑ።

ሸውዓተ ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ብመኪና ይጉዓዙ ኣብዝነበርሉ እዋን እታ መኪና ፀገም ምስ ኣጋጠማ ካብ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብእግሮም ከምልጡ ፈቲኖም ከምዘይክኣሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ኣርባዕተ ዝቖሰሉ ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ብወታደራት ኢትዮጵያ ከምዝተትሓዙ እውን እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG