ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙሪያኣ ዝርከባ ከተማታት ተግባራዊ ዝኸውን ህዝቢ እንተኣሚንሉ ጥራሕ እዩ' ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ


ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኣባ ዱላ ገመዳ
ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኣባ ዱላ ገመዳ

ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙሪያኣ ዝርከባ ከተማታት ኦሮሚያን ምስ ዝተኣሳስር ዝተሓንጸጸ ናይ ልምዓት ማስተር ፕላን ተግባራዊ ዝኸውን ህዝቢ እንተኣሚንሉ ጥራሕ እዩ ይብሉ ክልተ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ።

ተቓዋሚ ፓርቲ ፌደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ግን መግለጺ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ሓድሽ ነገር የብሉን ክብሉ ነጺጎሞ።

ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ ምስ ቴሌቪዥን ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ኢትዮጵያ ኣብዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ እዚ መደብ እዚ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ህዝቢ ክቕበሎ ከሎ ጥራሕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ምዕራብ ሸዋ ግንደ በረት ጀልዱ፣ኣብ ከባቢ ግንጫ ኣስጎሪ፣ኣምቦ፣ወለጋ ጊዳሚ፣ኤልባቡር ጨዋቃ፣ደምቢ ደሎ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝተኻየደን ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ከምዝተወስዱን ኣቶ በቀለ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG