ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልያን ዝተላዕለ ጎንጺ ብህዝቢ ተላዒሉ ዝብል ግምት የብልናን” ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፕርቲ ኦፌኮ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ተዳወብቲ ከባቢታት ክልላት ኦሮምያን ሶማልያን ብሰንኪ ዝተፈጥረ ጎንጺ ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝሞቱን ዝተመዛበሉን ይጻረ’ሎ ክብሉ ኣብ መንግስታዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ሚንስትር ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ዶ/ር ነገሬ ሊንጮ ትማሊ ኣብ ንዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ርእይትኦም ዝተሓቱ ምክትል አቦ መንበር ፓርቲ ናይ ኦሮሞ ፈደራሊስት ዲሞክራቲክ ኮንግረስ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ መንግስቲ ኩሉ ነገር ይፈልጥ’ዩ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

"ኢህወድግ ሓደ ንሓሙሽተ ጠርኒፉ ዝሓዘ ኣካል`ዩ፡ ስለዚ ሓደ ንሓሙሽተ ኣብ ዘለዎ ስርዓት ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ እንታይ ከምዝተገብረ ሓበረታ ይስእን`ዩ ዝብል ግምት የብልናን "

አቶ ሙላቱ እቲ ጎንጺ ብዝኾነ ዓይነት ብህዝቢ ተላዒሉ ዝብል ግምት የብልናን ኢሎም። ብዛዕባ ናይ ሎሚ ዓመት አከባብራ ባህላዊ በዓል ኢሬቻ ብዝምልከት ድማ ህዝቢ ኦሮሞ ጎንጺ ዝፈጥር ህዝቢ ኣይኮነን ዝሓለፈ ዓመት ሓለዋ ክግበር’ዩ ብዝብል ሰበብ ዝተፈጸመ ህልቂት ብጎሂ’ዩ ዝርእዮ ሎሚ ዓመት’ውን ሰላም ዝፈጠርሉ ብመንገዲ ባህሊ ኦሮሞ ፍጹም ሰላማዊ ዝኾነሉ’ዩ፡ ካልእ ሓላዊ ከየድለዮ ባዕሉ ብስርዓት ገዳ ክካየድ’ዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG