ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር መረራ ጉዲና ብህጹጽ ክፍትሑ ኣመሪካዊ ሰኔተር ቤን ካርዲን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ወገናት ጸዊዖም


ዶ/ር መረራ ጉዲና - ፋይል
ዶ/ር መረራ ጉዲና - ፋይል

ተቃዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ንዝኾነ ይኹን ሕጊ እታ ሃገር ኣይጥሓሱን፣ ንሶም ይመርሕዎ ዘለው ሰላማዊ ቓልሲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ስግኣት ስለዝፈጠረ እዮም ዝተኣስሩ ክግብል ገሊጹ።ብተወሳኺ እቲ ፓርቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መራሒኡ ብህፁፅ ክፍትሐሉ ፀዊዑ’ሎ።

እቲ መግለፂ ዶ/ር መረራ ምሉእ ህይወቶም ብሓፈሻ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኦሮሞ ክቃለሱን ከቃልሱን ከምዝፀንሑ እውን ይሕብር ።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኦፌኮ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ዶ/ር መረራ ዘእስር ዝጠሓስዎ ሕጊ የለን ብህፁፅ ንክፍትሑ ንፅውዕ ኣለና ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዜና ዶ/ር መረራ ጉዲና ብቕልጡፍ ክፍትሑ ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ መወሰኒ ሕጊ ኣባል ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ዴሞክራሲያዊ ሰኔተር ቤን ካርዲን ፀዊዖም።ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዘውፅእዎ መግለፂ ዶ/ር መረራ ዝተኣስርሉ ምኽንያት ኣንፃር መንግስቲ ብግልፂ ዝዛረቡ ኣባል ተቓዋሚ ፓርቲ ብምዃኖም ጥራሕ እዩ ዝመስል ይብል።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚንስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገረ ሌንጮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ ዶ/ር መረራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ንኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ብምጥሓሶም እዩ ክብሉ ገሊፆም እዮም።ብፍላይ ድማ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣሸበርቲ ኢሉ ምስ ዝመደቦም አካላት ብምርኻብን ሓቢሮም ጋዜጣዊ መግለፂ ብምሃብን ንኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ጥሒሶም ኣለው ክብሉ ኣብሪሆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ዶ/ር መረራ ጉዲና ብህጹጽ ክፍትሑ ዝተፈላለዩ ወገናት ጸዊዖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:08 0:00


XS
SM
MD
LG