ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓወምቲ ፓርቲታት ቀ/ሚ ብዛዕባ ምርጫ ንዝሃብዎ መደረ ምላሽ ይህቡ


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ዝካየድ ምርጫ ነፃን ዴሞክራሲያዊ ክኸውን ቃል ምእታው ኣወንታዊ እንተኾነ እውን ግዜ ዘየድልዮም ኣብ ቅድሚኦም ንዘለው ጉዳያት ቀዳምነት ክህቡ ኣለዎም ኢሎም ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ንዝተኣከቡ ኣሽሓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ተኣማኒን ፍትሓዊን ንክኸውን ምስ ተቓወምቲ ተዋዲዶም ከምዝሰርሑ ገሊፆም ነይሮም።

ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ግን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ቃሎም ዝፍፅሙ እንተኾይኑ ጥንቃቐ ብዘለዎ ተስፋ ኢና ንሪኦ ኢሎም።

“ኢህወዴግ ንነፃን ፍትሓውን ምርጫ ድልዊ ድዩ?ንሓቀኛ ፖለቲካዊ ውድድር ተዳሊዩ ድዩ?ካብ ሕጂ ንምግማት የፀግም እዩ።ናይ ውድብና ይኹን ናተይ መርገፂ ብጥንቃቐ ተስፋ ምግባር እዩ።ክደግሞ እየ ጥንቃቐ ዝሓዘለ ተስፋ ካብ ምግባር ወፃኢ ዘስምዕዎም መደረታት ኣብ ባይታ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ እዮም ኢልካ ኣፍካ መሊኢኻ ምዝራብ ካብ ታሪኽ ኢህወዴግ ተላዒልና ኣፀጋሚ እዩ።”

ኢህወዴግ ንሓቀኛ ለውጢ ድልዊ እንተኾይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ዕርቂ ዘይፍጠረሉ ምኽንያት ስለዘየለ ተቓወምቲ እውን ክሳብ ፍርቂ መንገዲ ንምጉዓዝ ክንዳሎ ኣለና ኢሎም ዶ/ር መረራ።

ኢህወዴግ ካብ ዝኽተሎ መትከል ሓባራዊ መሪሕነት ብምብጋስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናይ ምውሳን ስልጣኖም ክሳብ ክንደይ ክኸይድ ከምዝኽእል ገምጋሞም ዝተሓተቱ ዶ/ር መረራ ህውሓት ኣብ 1993 ዓ/ም ኣብ ክልተ ክሳብ ትግማዕ ሓባራዊ መሪሕነት ከምዝነበረ ድሕሪኡ ግን ቀዳማይ ሚንስትር ዝነበሩ ኣቶ መለስ ዜናዊ ንኹሉ ስልጣን ጠቕሊሞም ከምዝሓዙ፣ንሶም ምስዝሓለፉ ቀዳማይ ሚንስትር ኮይኖም ዝተተክኡ ሃይለምሪያም ደሳለኝ ናብ ሓባራዊ መሪሕነት ከምዝተመልሱን ምናልባሽ እውን ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ በቲ ሓባራዊ መሪሕነት ክሰርሑ ስለዘይክኣሉ እዮም ክኸውን ይእኽል እዩ ኢሎም።

“ሕጂ እውን ሓድሽ ቀዳምይ ሚንስትር ካብ ሓባራዊ መሪሕነት ክርሕቕ እዩ ዝብል ግምት የብለይን።ሓባራዊ መሪሕነት ነቲ ቀዳማይ ሚንስትርኢዱን እግሩን ኣሲሩ ዝሕዝ ድዩ ወይስ ዘወሳውስ?ከም ቀዳማይ ሚንስትር ነታ ሃገር ንክመርሑ ብተግባር ንኽትርጉሙ ዕድል ክህቦም ድዩ?ዝብል ሕቶ ኣይፍለጥን።”

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ መደርኦም ምኽንያት ምጥሓስ መሰላትን ምጉዳል ፍትሓውነትን ዝኾኑ ሕግታት ከምዝመሓይሹ ተዛሪቦም ኣለው።ሽም እቶም ሕግታት ኣይጠቐሱን ዶ/ር መረራ ግን ሕግታት ፀረ-ሽብርን ትካላት ግብረሰናይን ማሕበራትን ዝኣመሰሉ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሚቶም ኣለው።”

ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ እውን ምስዚኦም ክድመር ከምዘለዎ ብምግላፅ ንቀዳማይ ሚንስትር ዝምዕዶም ካብ ዘረባ ዝዘለለ ምፍታሕ እሱራትን ምስ ተቓወምቲ ንምልዛብ መ ዓልቲ ምውሳንን ሓዊሱ ፀገማት ምፍታሕ ክጅምሩ ኣለዎም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ተቓወምቲ ፓርቲታት ቀ/ሚ ብዛዕባ ምርጫ ንዝሃብዎ መደረ ምላሽ ይህቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:26 0:00

XS
SM
MD
LG