ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ-ሰላም ታንዛንያ ክቕጽል ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ጸዊዑ


መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናፃነት ኦሮሞን ኣብ ታንዛንያ ዝጀመርዎ ልዝብ ሰላም ክቅፅልዎ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፎኮ) ፀዊዑ።

እቲ ተቃዋሚ ፓርቲ ብወሃቢ ቃሉ ኣቶ ሱልጣን ቃሲም ኣቢሉ ኣብ ዝተነበበ መግለፂኡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዘተ ሰላም ምጅማሮም ዓብይ ምዕባለ’ዩ ኢሉ’ሎ።

ኣቦ መንበር’ቲ ፓርቲ ዶ/ር መረራ ጉዲና ብወገኖም ኣብታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ንኽረጋገፅ ክልቲኦም ወገናት ብህፁፅ ነቲ ልዝብ ክቅፅልዎ ኣለዎም ኢሎም። ፕሮፌሰር መረራ ወሲኾም ኣብ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ጉዳያት ምዝርራብ መታን ክከኣል እቲ ልዝብ ዝተረፉ ውድባት ፖለቲካ ኦሮሞ’ዉን ንኸሳተፉ ሓቲቶም’ለዉ። ንፖሎቲካዊ ፀገም’ታ ሃገር መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ልዝብ’ውን ኢሎም።

ኣቐዲመን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ፈፃሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትሬሲ ጃኮብሰን ኣብ ቀረባ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ፈላማይ ዙር ልዝብ ምክያዱን “ቀፀልቲ ምይይጣት ከም ዝህልዉ ተስፋ ንገብር” ክብላ ምዝራበን ተገሊፁ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ብዛዕባ ምዝዛም’ቲ ፈላማይ ልዝብ ኣመልኪቶም በብወገኖም ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣድላይነት ምቅፃል ምይይጥ ገሊፆም’ዮም፡ ግን መዓሰን ኣበይን ከምዝካየደ ኣይተገልፀን።

XS
SM
MD
LG